ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጸብጻብ ኣምንስቲ ኣብ ጭፍጨፋ ማይካድራ


ዓለምለኸ ተሓላቒ መሰል ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ ሓዲሽ ሪፖርት፥ ኣብ ክልል ትግራይ ደቡባዊ ምዕራብ ኣብ ትርከብ ማይ ካድራ ትብሃል ከተማ ብዘስቅቕ ኩነታት ዝተቐተሉ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኣስክሬናት ከም ዝረኸበ ኣፍሊጡ።

ኣብ ኩናት ዝኾነ ተሳትፎ ንዘይብሎም ንጹሓን ሰባት ምጭፍጫፍ ብገበን ኩናት ዘሕትት ተግባር ምዃኑ'ውን ኣምነስቲ ኣፍሊጡ'ሎ።

ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ሬድዋን ሓሰን ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ ቃል እቲ ቕትለት ብህወሓት'ዩ ተፈጺሙ ኢሎም ኣለው::

ኣምንስቲ ኣብ ሪፖርቱ ነቲ ቕትለት ዝፈጸመ አካል እንተዘይጠቀሰዃ ዘዘራረቦም ናይ ዓይኒ መሰካኽር ግን ነቲ ቕትለት ናይ ህወሓት ሰራዊት'ዩ ፈጺምዎ ምባሎም ኣብ ሪፖርቱ ሓቢሩ'ሎ::

መንግስቲ ክልል ትግራይ ነቲ ክስታት ነጺግዎ'ሎ::

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::

ጸብጻብ ኣምንስቲ ኣብ ጭፍጨፋ ማይካድራ
please wait

No media source currently available

0:00 0:07:15 0:00


XS
SM
MD
LG