ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጸብጻብ ንኽብሪ 50 ዓመት ሞያ ስነ-ጥበብ ኣወሃሃዲ ሙዚቃ ዓበደላ ኣቡበከር ዝተዳለወ መደብ


ዓበደላ ኣቡበከር
ዓበደላ ኣቡበከር

ንኽብሪ 50 ዓመት ሞያ ስነ-ጥበብ ኣወሃሃዲ ሙዚቃ ዓበደላ ኣቡበከር ብዓበይትን ናእሽቱን ስነ-ጥበባውያን ዝተዳለወ መደብ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ቨርጂንያ ተኻይዱ ኔሩ።

ንዓበደላ ኣቡበከር ምስኡ ዝጀመሩን ተመክሩኡ ዝሰነዱን ስነ-ጥበባውያን መንጸፍ ዘመናዊ ሙዚቃ ኤርትራን ኪነዉን ኢሎም ይገልጽዎ ።

ኣብ ኣስመራ ኣብ መጀመርያ 70ታት ኣብ ባንድታት ሮኬት: ዘርኣይ ደረስን ማሕበር ትያትር ኣስመራን ዝፈለመ ዓብደላ ኣቡበከር፡ ብፍላይ ኣብ ስደት ምስ ከደ፡ ብኪቦርዱን ቅኒቱን ጌሩ፡ ንዘመናዊ ሙዚቃ ኤርትራ ናብ መድረኽ ዘበረኸ ፡ ብምውህሃድ ሙዚቃ ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዓቢይ ለውጢ ዘምጽአ ምዃኑ ብኹሎም ዝፈልጥዎ ይምስከረሉ። ነዚ 50 ዓመት ዘቑጸረ ሞይኡ ክብሪ ንምሃብ`ዮም`ምበኣር፡ ኣብ ከባቢ ዋሺንግተን ዲሲን ከባቢኡን ዝርከቡ ስነ-ጥበባውያን ንታሪኹ ዝገልጽ ዶክመንታሪ ብምድላው ናይ ክብርን ኣፍልጦን ምሸት ክገብርሉ በቒዖም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::


XS
SM
MD
LG