ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጸብጻብ ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት


ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑትን ርኡይ ተበግሶ ድሕሪ ምውሳዶም፣ ሩስያ ኣብ ዩክሬን ዝኸፈተቶ ውግእ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ሓድሽ መንፈስ ጊዜ የለን ፈጢሩ ኣሎ። ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ሩስያ ንኩሎም ኣጽዋረይ ክጥቀም ይኽእል’የ ምባላ ነቂፎም።

ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑትን ትማሊ ረቡዕ ብቴለቭዥን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ "ግዝኣታዊ ሓድነት ሩስያ ኣብ ሓደጋ እንተወዲቁ፣ ብዘይጥርጥር፣ ንሩስያን ህዝባን ንምክልኻል ክንብል፣ ኩሉ ዓይነት ኣማራጺ ክንጥቀም ኢና፣ እዚ ጃህራ ኣይኮነን" ኢሎም ።

ኣብ ኒውዮርክ መደረ ዘስምዑ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ብወገኖም ክዉል ምፍርራሕ ብኑክሌር ዝሕብሮ ሞስኮ ንስምምዕነት ቁጽጽር ኣጽዋር ተገዳስነት ዘይብላ ምኳና ዝሕብር ሃንደፍደፍ እዩ ክብሉ ነቀፉ።

ባይደን ወሲኾም፣ ፑትን ን300 ሽሕ ዕቑር ሓይሊ ናብ ሰራዊት ምኽታቶምን፣ ኣብ ኣርባዕተ ሰራዊት ሩስያ ሒዙወን ዘሎ ከባቢታት ዩክሬን ህዝበ ውሳነ ክነካይድ ኢና ምባሉ ነቂፎም።

ሓላፊ ርክባት ወጻኢ ሕብረት ኣውሮጳ ጆሴፍ ቦረል’ውን ንፑቲን ዝነቅፍ መደረ ኣስሚዖም ኣለው። ‘ነቲ ፑትን ኣናሃሂርዎ’ ዝብልዎ ኩነታት ንምዝርራብ ሚንስትራት ጉዳያት ወጻኢ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ኣኼባ ንክገብሩ ጸዊዖም።

ጆሴፍ ቦረል ወሲኾም ኣብ ኒውዮርክ ምስ ኣተኹ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ ናይ ምርኻብ ሸውሃት የብለይን ከምዝበሉ’ውን እቲ ዜና ይሕብር።

መራሒ ዩክሬን ፕረዚደንት ቮልድመየር ዘለንስኪ፣ ብዝተቀረጸ ቪድዮ አቢሎም ናብ ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት መደረ ከስምዑ ተፈቂዱሎም ነይሩ። ንሶም ኣብ ዘረበኦም "ኣብ ልዕሊ ሃገሮም ገበን ተፈጺሙ እዩ፣ ስለዝኾነ ሩስያ ክትቅጻዕ ኣለዋ" ኢሎም።

ሰላም ክወርድ እንተኾይኑ ክፍጸሙ ኣለዎም ዝበልዎም ሓሙሽተ ቅድመ ኩነታት’ውን ዘርዚሮም። "ንዝፈጸመቶ ጎበጣ ሩስያ ክትቅጻዕ፣ ህይወት ሰብ ሓለዋ ክግብረሉ፣ ጸጥታን ግዝኣታዊ ሓድነት ዩክሬን ክረጋገጽ፣ ውሕስነት ጸጥታን ባዕልኻ ምክልኻልን ክሕሎን" ዝብሉ እዮም።

እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ፣ ሩስያን ዩክሬንን ናይ ልዕሊ 250 ምሩኻት ልውውጥ ምግባረን፣ ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ ኣንቶንዮ ጉተረዝ ንኢዶም።

XS
SM
MD
LG