ዓለምለኸ ተሓላቒ ትካል ህዩማን ራይትስ ዎች፡ ሎሚ ሓሙስ 9 ለካታቲ ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፡ መንግስቲ ኤርትራ ንስድራቤት ዕስክርና ሰራዊት ዝኣበዩ ዜጋታት ብዛዕባ ዝገብሮ ዘሎ ቀጻዒ ስጕምታት ዝድህስስ ጽሑፍ ዘርጊሑ። እቲ ተሓላቒ ትካል፡ ነቲ መጽናዕቲ ንምድላው፡ በቲ ፖሊሲ ዝተጸልዉ ኣባላት ስድራቤት፡ ካብ ኤርትራ ዝሃደሙን ጋዜጠኛታትን ኣዘራሪቡ ኣሎ።
ከም መግለጺ ምኽትል ዳይረክተር ኣፍሪቃ ትካል ህዩማን ራይትስ ዎች ላቲሻ ባድር፡ ኤርትራ ክተት ዝጸውዐት ኣብ ክልል ትግራይ ድሕሪ ምእታዋ’ዩ። ባድር ከም እትሕብሮ ድማ፡ ናብቲ ናይ ክተት ጻውዒት ዘይተረኽቡ ዜጋታት፡ መንግስቲ ንስድራቤቶም ክኣስር፡ ገዛውቲ ክዕሽግ፡ ኣንስቲን ኣረጋውያንን ክኣስር ጀሚሩ።
ህዩማን ራይትስ ዎች ኣብ ጸብጻቡ፡ እዚ ሓድሽ ጻውዒት ክተት ኣብ ርእሲ’ቲ ዝጸንሐ ገደብ-ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብምዃኑ፡ ንዜጋታት ግዳይ ሓደገኛ ጕዕዞ ስግረ-ዶብን ተወሳኺ ሽግራትን ገይሩዎም ይብል።
ህዩማን ራይትስ ዎች፡ ኣብቲ ዝነበረ ልሕሉሕ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት፡ እቲ ቀንዲ ኣሰካፊ ዝበሎ ኣብ መፋርቕ 2022 ዝጀመረ ጻውዒት ክተት’ዩ። ኣብቲ ካብ 50-60 ዝዕድመኦም ኣባላት ዕቝር ሰራዊት’ውን ንኽተት ዝጸውዓሉ ኣጋጣሚ፡ እቶም ኣቐዲሞም ብሕማምን ካልእ ምኽንያታትን ካብ ሰራዊት ተፋንዮም ዝጸንሑ’ውን ከይተረፉ ዳግም ንክኸትቱ ስለ ዝተሓተቱ፡ ንዝሰፍሐ ሰብኣዊ ጥሕሰታት ማዕጾ ምኽፋቱ ይሕብር። ነዚ ጻውዒት ዘይመለሱ ኣባላት ስድራ ድማ ክእሰሩ፡ መቝነን ዝረኽቡሉ ኮፖን ክሕደጉ፡ ብመገዲ ናይ ከባቢ ምምሕዳራት ክህደኑ ምጅማሮም እቲ ጸብጻብ ይሕብር።
ብሰንኪ’ዚ “ዓማሚን ኣሰካፊን” ኢሉ ህዩማን ራይትስ ዎች ዝጠቐሶ መምርሒ ድማ፡ ንኣረጋውያንን ትሕቲ ዕድመን ግዳይ ማእሰርቲን ምጕስቓልን ምግባሩ እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ።
ህዩማን ራይትስ ዎች ኣብቲ ሎሚ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ዝነበሩ ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ ናብ ዶባቶም ተጸጊዖም ምህላዎም’ውን ሓበሬታ ከም ዝበጽሖ ጠቒሱ ኣሎ። እንተዀነ ይብል እቲ መግለጺ፡ ድሕሪ ስምምዕ ሰላምን ምምላስ ሰራዊት ኤርትራ ናብ ዶባት’ውን እቲ ዝካየድ ዝነበረ ቀጻሊ ወታሃደራዊ ግፋታትን መፈተሺ ንቝጣታትን ምቕጻሉ ካብቲ ኣሰካፊ ተርእዮ ምዃኑ ኣስፊሩ ኣሎ። እቲ ግፋን ማእሰርቲን ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት ምቕጻሉ’ውን እቲ ጸብጻብ ይሕብር።
በበይኖም ተሓለቕቲ ትካላት ሕቡራት ሃገራትን ኣፍሪቃን፡ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝግበር ጥሕሰት ብምዅናን፡ ምትዕርራይ ክግበር ይጽውዑ።
“ብመንግስቲ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ ኣደራዕ ተሰከምቲ ኰይኖም ዘለዉ ዜጋታት እታ ሃገር’ዮም፡” ዝበለት ምኽትል ዳይሬክተር ህዩማን ራይትስ ዎች ጨንፈር ኣፍሪቃ፡ ላቲሻ ባደር፡ “መሻርኽቲ ኣካላትን ካልኦት መንግስታትን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ጸቕጢ ክገብሩ” ጸዊዓ።
ህዩማን ራይትስ ዎች ኣብ ጸብጻቡ ግብረ-መልሲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብዚ ጉዳይ ኣየካተተን። ድምጺ ኣመሪካ’ውን ብዛዕባ’ዚ ሓድሽ ጸብጻብ ኣመልኪቱ ተወሳኺ ምላሽ ኣይረኸበን፣ ምስ ዝህሉ ኣብ ቀጻሊ ከነቕርብ ኢና።