No media source currently available
መራሕቲ ሃገራት ኣውሮጳ ንቀውሲ ዋሕዚ ስደተኛታት ናብታ ኣህጉር መፍትሒ ንምንዳይ ጽባሕ ረቡዕ ኣብ ኦስትርያ ኣኼባ ከካይዱ’ዮም። ንሶም ዋሕዚ ስደተኛታት ኣብ ምጉዳል ዝተዓወትሉ መስርሕ ከምዝግምግሙ ዘፍለጥሉ’ዚ ኣኼባ ብትካላት ተሓለቕቲ መሰላትን ሕቡራት ሃገራትን እዚ መስርሕ ሰብኣዊነት ዝጎደሎ’ዩ ክብሉ ይነቕፉ።