ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጸሓያዊ ጸዓት ንነባሮ ኣፓላቺያ ተስፋ ይዘርእ


ዕደና ከሰል ኣብቲ ብ”ኣፓላቺያ” ዝፈልጥ ቅናት ማእከላይ ኣመሪካ ካብ ዘቋርጽ ዓመታት ኰይኑ’ዩ። ብሰንኩ እቲ ዞባ ኣብ ከቢድ ድኽነት ተሸሚሙ ደኣ ይጽናሕ እምበር፡ ሕጂ ግን ምስ ምዕባለ ተተካኢ ጸዓት ተስፋ ዝተነብሮ ይመስል።

ብራድ ክረፕስ (Brad Kreps) ንምዕራብ ካብ ጎቦታት ሃዘል ክጥምት እንከሎ፡ ናብ ክፍለ ግዝኣት ተነሲ ዝዝርጋሕ ሰፋሕቲ ዝተኣሳሰረ ጎቦታት’ዩ ኣብ ቅድሚኡ ዝዝርጋሕ። ኣብዚ ስፍራ’ዚ ዕደና ከሰል ካብ ዘቋርጽ ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ። እቲ ሕጂ ተመድሚዱ ዝርአ ጽርግያታት ግን ኣብ ህይወት ነባሮ ሓድሽ ምዕራፍ ክኸፍት ትጽቢት ይግበረሉ። ሕጂ እቲ ተስፋ ካብ ማዕድናት መሬት ዘይኰነስ ካብ ጸሓይ’ዩ-ተተካኢ ጸዓት።

ኣቐዲሞም መዕደኒ ንቝጣታት ዝነበሩ ስፍራ ጸዓት ጸሓያዊ ጸዓት ዝፈጥሩሉ መገዲ ክጽናዕ ደኣ ይጽናሕ እምበር፡ እዛ ቦታ’ዚኣን ምስ ካልኦት ሓሙሽተ ካልእ ቦታታት ግን ኣብ ጎቦታት ኣፓላቺያ ጸሓያዊ ጸዓት ንምምንጫው ካብ ዝተሓርያ ሓሙሽተ ስፍራታት ሓንቲ’ያ። እዚ መደብ ብሃገር ደረጃ ዝካይድ ስራሕ’ዩ ክኸውን።

እቲ መደብ ጸሓያዊ ጸዓት ምስ ተፈጸመ ነቲ ባኺኑ ዝነበረ መሬት ህይወት ክዘርኣሉ ከም ዝኽእል ይንገር። እቲ ብ The Nature Conservancy (TNC) ዝተባህለ ትካል ኣብ 2019 ንልምዓት ጸሓያዊ ጸዓት ዝተገዝአ መሬት ልዕሊ 100 ሽሕ ሄክታር ስፍሓት ኣሎዎ።

ከም ኣገላልጻ ፕሮግራም ዳይረክተር ትካል TNC ዝዀነ ብራድ ክረፕስ፡ ኣብ ብቝጠባዊ ቅልውላቅ ዝሳቐ ኣከባቢ፡ እቲ መደብ ሓድሽ ናይ ስራሕ ዕድላትን ካብ ግብሪ ዝርከብ ጽቡቕ ኣታዊን ከምጽእ ከም ዝኽእል ይኣምን።

ኣብ ኣከባቢ ዝግደስ ዘይመኽሰባዊ ትካል TNC ምስ ኣብ ምምዕባል ጸሓያዊ ጸዓት ዝሰርሕ Sun Tribe ብምልፋን 120 ሜጋ-ዋት ኤሌክትሪክሲቲ ዘመንጩን ንኣስታት 30-ሽሕ ገዛውቲ ዘብርህን ንምስራሕ ኢየን ዓሊመን ዝሰርሓ ዘለዋ።

ህንጻ ትሕተ-ቅርጺ እቲ ትካል ኣብ ዝመጽእ ክልተ/ሰለስተ ዓመታት ክዛዘም ትጽቢት ይገብር።

እቲ ካብ ዕደና ከሰል ናብ ጸሓያዊ ጸዓት ዝቕይር መደብ ስራሕ መበቈላዊን ሱር፡በተኻዊ ለውጢ ኣብ ምምጻእ ዓቢ ተኽእሎ ዘለዎን ምዃኑ ክኢላታት ይዛረቡ። እቲ ሞዴል ኣብ ካልእ ስፍራታት’ውን ክድገም ዝኽእል ምዃኑ ይንገረሉ። እቲ ዓቢ ተስፋ ሂቡ ዘሎ እምበኣር ንሱ ምዃኑ’ዩ።

መንግስቲ ኣመሪካ፡ ንተተካኢ ጸዓት ብዕቱብ ጠሚቱ ክሰርሓሉ ዝጀመረ ካብ 2008 ንደሓር’ዩ። ካብ ሽዕኡ ጀሚሩ ድማ መንግስቲ ንልምዓት ተተካኢ ጸዓት ዝኸውን መሬት ክዕድል ጀሚሩ። በዚ መደብ’ዚ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ብዝተተኽሉ ናይ ጸሓያዊ ጸዓት መሳርሒ ልዕሊ 1.8 ጂጋዋት ሓይሊ ከመንጭዉ ክኢሎም ኣለዉ።

በዚ መደብ’ዚ ኣቐዲሞም ሓደገኛታት ዝተሰምዩ ቦታታት ሕጂ ኣብ ልምዓት ይውዕሉ ኣለዉ። ንኣብነት ኣብ ኒው-ጀርሲ ብሓደገኛ ከሚካል ተበኪሉ ዝነበረ መሬት ሕጂ 6.5 ሜጋዋት ዘመንጩ ሓይሊ ተተኺሉሉ ኣሎ።

ኣቐዲሞም መዕደኒ ማእከላት ዝነበሩ’ሞ ሕጂ ናብ ሕርሻ ጸሓያዊ ጸዓት ዝልወጡ ዘለዉ ስፍራታት ግን ካብቶም ልሙዳት ቦታ ዝዝይድ ስራሕ ዝሓቱ’ዮም። በዚ ምኽንያት ከኣ’ዩ ሓያሎ ኣብዚ ጽላት ዝነጥፉ ኣውፈርቲ ከምቲ ዝድለ ምትብባዕ ዘይገብሩሉ ዘለዉ።

እቲ ብትካል TNC ተወሲዱ ዘሎ ናይ ምምዕባል መደብ ግን ንኻልኦት ጽቡቕ ኣብነት ኰይኑ ኣብኡ ንኸውፍሩ ከተባብዕ ትጽቢት ተነቢሩሉ ኣሎ። ሓያሎ ግዝኣታት ንምትብባዕ ወፍሪ ጸሓያዊ ጸዓት ክሰርሓ ጸኒሐን’የን። ዛጊት ግን ክንዲ’ቲ ትጽቢት ዝገበሮ ግብረ-መልሲ ክርአ ከም ዘይጸንሐ ይንገር።

ቪርጂንያ ሓንቲ ካብተን ንተተካኢ ጸዓት ኣበርቲዐን ዝሰርሓ ዘለዋ ግዝኣታት’ያ። ኣብ 2045 ካብ ካርቦንዲኦክሳይድ ናጻ ዝዀነ ጸዓት ከተመንጩ መደብ ገይራ’ያ ትሰርሕ ዘላ።

ሓደ ካብኡ ድማ ልዕሊ 40-ሽሕ ሄክታር ዝስፍሓቱ ኣቐዲሙ ከሰል ዝዕደነሉ ዝነበረ ስፍራታት ንሕርሻ ተተካኢ ጸዓት መዲባ ኣላ። እዚ ዝመስል ወፍሪ ነቶም ብሰንኪ ሽቕለት-ኣልቦነት ከተማቶም ገዲፎም ክስደዱ ዝጸንሑ ነባሮ ክመልሶም ወይ ድማ ንኽጸንሑ ከተባብዖም ትጽቢት ይግበር።

ጸሓያዊ ጸዓት ዝተሓደሰ ኣቓልቦ ደኣ ይርከብ እምበር፡ ኣብ መንጎ ነባሮ ኣፓላቺያ ግን ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ኣይኰነን ዘሎ። ብዙሓት ካብኣቶም ዕደና ከሰል ዝምለሰሉ ግዜ ኣብ ምምዕዳው ስለ ዝጸንሑ፡ እዚ ሓድሽ ወፍሪ ንተስፋኦም ዘቕህም ይመስል።

ኣብ መላእ ኣመሪካ መጠን ዕደና ከሰል ካብ 2008 ክሳብ 2020 ብ62% ኢዩ ጎዲሉ። ብመሰረት ወግዓዊ ምንጪታት መንግስቲ ድማ ካብ 1980ታት ኣትሒዙ፡ ብሰንኪ ምንቍልቋል ዕደና ክሰል፡ ኣስታት 100 ሽሕ ዜጋታት ካብ ስራሖም ተጓናዲቦም።

እዚ ሓድሽ ወፍሪ ማዕረ’ቲ ካብ ዕደና ከሰል ዝርከብ ዝነበረ መጠን ግብሪን ዕድላት ስራሕን ከም ዘይፈጥር ኣየከራኽርን። ጸሓያዊ ጸዓት ዝፈጥሮ ናይ ስራሕ ዕድላት ብቐንዱ ኣብ ፈለማ፡ ንሱ ድማ ምስ ስራሓት ህንጻ ዝተተሓሓዘ ምዃኑ ይጥቅስ፡፡

XS
SM
MD
LG