ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጥሩፋት እስልማዊ ጉጅለ ኣብ ኮንጎን ናይጀሪያን ሲቪላውያን ዜጋታት ይቐትሉ


ደሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ -ፋይል
ደሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ -ፋይል

ኣብ ደሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ጥሩፋት እስላማውያን ጉጅለ ብዝኸፍቱዎ መጥቃዕቲ 36 ሲቪላውያን ዜጋታት ምቕታሎም ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ጸብጺቡ።

እቶም ብስም ስሙር ደሞክራሲያዊ ሓይልታት (Allied Democratic Forces) ብዝብል ዝጽውዑ ዕጡቓት ጕጅለ ኣብቲ ከባቢ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ከም ዘውርዱን ንሲቪላዊ ዒላማታት ከም ዝሃርሙን ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። ኣብዚ ወርሒ ሕቡራት ሃገራት፡ ንመራሒ እቲ ጕጅለ ዝዀነ ሴካ ሙሳ ባሊኩ ሃለዋቱ ዘመልከተ ሰብ ናይ ሓሙሽተ ሚልዮን ዶላር ዓስቢ ክወሃቦ ምዃኑ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዜና፡ ኣብ ናይጀሪያ ዝነጥፍ ጥሩፍ ጕጅለ ቦኮ-ሓራም’ውን ብረቡዕ ኣብ ልዕሊ ገፈፍቲ ዓሳ ብዘውረዶ መጥቃዕቲ 37 ሲቪላውያን ዜጋታት ምቕታሉ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ሓቢሩ'ሎ። ኣሃዝ ዝሞቱ ገፈፍቲ ዓሳ፡ ኣብ ደንደስ ፈለግ ተደርብዩ ብዝረኸቡዎ ሬሳታት ዝሃቡዎ ቍጽሪ’ዩ። ብዝሒ ምዉታት ካብኡ ንላዕሊ ክኸውን ከም ዝኽእል ድማ ምንጭታት ካብቲ ቦታ ይሕብሩ።

እቶም ኣብ ልዕሊ’ቶም መዓልታዊ መነባብሮኦም ዝገብሩ ዝነበሩ ገፈፍቲ ዓሳ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ዕጡቓት ጕጅለ፡ ንኸምኡ ዝመስል ኣልማማ ስጕምቲ ንምውሳድ ዝደፍኦም ምኽንያት ዛጊት ኣይነጸረን።

XS
SM
MD
LG