ዋሽንግተን —
ሽዱሽተ ሴነተራት ኣመሪካ ጥምየት ከም መሳርሕ ውግእ ምጥቃም ዝዂንን ዘቅረብዎ ረቂቅ ሕጊ ናብ ሴነት ኣመሪካ ከምዝሓለፈ ኣፍሊጦም።
እቶም ሴነተራት ነቲ ረቂቅ ሕጊ ዝሓለፈ ግንቦት ከምዘቅረቡን፣ ጥምየት ከም መሳርሕ ዂናት ምጥቃም ክኹነን ኣለዎ ጥራሕ ዘይኮነ፣ ግጭት ብደረጃ ዓለም ኣብ ልዕሊ ውሕስና መግቢ ዘስዕቦ ሓደጋ ከምዘጉልህ እቲ መግለጺ ይሕብር።
ሴነተር ሪሽ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ "ሩስያ ኣብ ዩክሬን ካብ ዝወለዐቶ ውግእ ክሳብ ኢትዮጵያ፣ ደቡብ ሱዳንን የመንን ሕማቃት ተዋሳእቲ ኮነ ኢሎም ንሕርሻዊ ናውቲን ንትሕተ ቅርጺታትን የዕንው፣ ንዕዳጋታት ይቆጻጸሩ ከም ውጽኢቱ ድማ ንፖለቲካዊን ወትሃደራዊን ዒላማኦም ክብሉ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ሞት ይስዕብ ኣሎን" ኢሎም።
ሴነተራት መርክልይ፣ ያንግ፣ ቡከር፣ ቱንን መነንደዝን’ውን ብተረኦም፣ ካብ ዩክሬን ክሳብ ኢትዮጵያ፣ ገለ ወገናት ንጥምየት ከም መሳርሕ ዂናት ይጥቀሙ ከምዘለው ብምጥቃስ ኮኒኖምዎ ኣለው።