ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ንሰላማዊ ህዝቢ ክልል ትግራይ ስግኣት ኮይንዎ'ሎ' ሚቸል ባችለት


ላዕለወይቲ ኮምሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ሚሼል ባችሌት ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ዝርከብ ሰላማዊ ህዝቢ ዝኸፍአን ሓደገኛን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ይፍፀሞ ኣሎ ኢለን ።

ንሰን ወሲኸን ምናልባት 'ውን ገሊኦም ዓበይቲ ወንጀላት ጦር ከኾኑ ይኽእሉ እዮም ክብላ ኣጠንቂቀ፟ን ። ኣብ መብዛሕትኦም ከባቢታት ክልል ትግራይ ኣገልግሎታት ስልክን ኢንተርኔትን ብዘይምህላዎም እዞም ተፈፂሞም ዝበሃሉ ዘለዉ ክስታት ንምፅራይንን እቲ ዝፍፀም ዘሎ ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላት መጠኑ ስጋብ ክንደይ ዝኸፍአ እዩ ዝብል ንምፍላይ ኣፀጋሚ ኮይኑ ይርከብ ። ብምኳኑ እቲ ዘሎ ኩነታት ንምግምጋም፣ ደሕንነት ሰላማዊ ህዝቢ ንምሕላውን ገበን ንዝፈፀሙ ሰባት ናብ ፍርዲ ንምቅ፟ራብ ክጥዕም ዘይሻራዊያን ተዓዘብቲ ሰብኣዊ መሰላት ናብቲ ክልል ክኣትዉ ሓላፊት ሰብኣዊ መሰላት ሚሼል ባችሌት ፃውዒት ኣቅ፟ሪበን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG