ዋሽንግተን —
ላዕለወይቲ ኮምሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ሚሼል ባችሌት ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ዝርከብ ሰላማዊ ህዝቢ ዝኸፍአን ሓደገኛን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ይፍፀሞ ኣሎ ኢለን ።
ንሰን ወሲኸን ምናልባት 'ውን ገሊኦም ዓበይቲ ወንጀላት ጦር ከኾኑ ይኽእሉ እዮም ክብላ ኣጠንቂቀ፟ን ። ኣብ መብዛሕትኦም ከባቢታት ክልል ትግራይ ኣገልግሎታት ስልክን ኢንተርኔትን ብዘይምህላዎም እዞም ተፈፂሞም ዝበሃሉ ዘለዉ ክስታት ንምፅራይንን እቲ ዝፍፀም ዘሎ ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላት መጠኑ ስጋብ ክንደይ ዝኸፍአ እዩ ዝብል ንምፍላይ ኣፀጋሚ ኮይኑ ይርከብ ። ብምኳኑ እቲ ዘሎ ኩነታት ንምግምጋም፣ ደሕንነት ሰላማዊ ህዝቢ ንምሕላውን ገበን ንዝፈፀሙ ሰባት ናብ ፍርዲ ንምቅ፟ራብ ክጥዕም ዘይሻራዊያን ተዓዘብቲ ሰብኣዊ መሰላት ናብቲ ክልል ክኣትዉ ሓላፊት ሰብኣዊ መሰላት ሚሼል ባችሌት ፃውዒት ኣቅ፟ሪበን።