ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጣሊባን ኣመሪካዊያን ዝርከብዎም ምዕራባዊያን ካብ ኣፍጋኒስታን ክወጹ ኣፍቒዱ


ቐጠር ካብ ኣፍጋኒስታን ንዝተረፉ ዜጋታት ኣመሪካ ተውጽእ ኣላ። ጣሊባን ትማሊ ሓሙስ ነፋሪት መንገዲ ኣየር ቐጠር ካቡል ዓሊባ ነቶም ዝግዕዙ ክተወጽእ ኣፍቂዶምላ። ኣመሪካውያን ካናዳውያን ሆላንዳውያን ዝርከብዎም 113 ሰባት ጽዒና ድማ ወጺኣ`ላ። ወሃቢት ቃል ቤት-ምኽሪ ሃገራዊ ጸጥታ ኣመሪካ ኤሚሊ ሆርን፡ እቶም ዜጋታት ካብ ኣፍጋኒስታን ክወጹ ምስ ቐጠር ብምዃን ነሳልጦ ኣለና ኢላ።

XS
SM
MD
LG