ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጣሊባን:ብሕጊ እስልምና ዝቕየድ “ኣሳታፊ” ምምሕዳር ክገብሩ ምዃኖም  ቃል ይኣትዉ


ኣንጻር ጣሊባን ዝተኻየደ ተቓውሞ
ኣንጻር ጣሊባን ዝተኻየደ ተቓውሞ

ጣሊባን ምሉእ ምቍጽጻሩ የሐዪሉ:እቲ ኲናት ብዓወት ከም ዝተወድአ ኣብ ዝገልጸሉ ዘሎ እዋን:ተቓውሞኦም ንዘርኣዩ ዜጋታት ግን ንሕፈት ኣየርኢን ዘሎ። ኣመሪካን ካልኦት ሃገራት ድማ ንተግባራት ጣሊባን ብቐረባ ይከታተለኦም ከም ዘለዋ ይነግራ ኣለዋ።

ኣብ ከተማ ጃላላባድ:ንባንዴራ ጣሊባን ኣውሪዶም ብሃገራዊት ባንዴራ ኣፍጋኒስታን ክትክኡ ንዝፈተኑ ዜጋታት:ካብ ወተሃደራት ጣሊባን ብተዅሲን ማህረምቲ በትሪን’ዩ ተቐቢሉዎም። ኣብቲ ፍጻመ ሰለስተ ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ ካልኦት ብዙሓት ድማ ቆሲሎም።ጣሊባን ብዛዕባኡ ኣመልኪቱ መግለጺ ኣይሃበን።

ብሰሉስ ኣብ ዘውጽኡዎ መግለጺ፡ ብሕልፊ እኳ ኣብ ጉዳያት ደቀንስትዮ፡ “ብሕጊ እስልምና ዝቕየድ” ግን ከኣ “ኣሳታፊ” ፖለቲካዊ መስመር ክኽተሉ ምዃኖም ጣሊባን ኣመልኪቶም ነይሮም።

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ብረቡዕ ኣብ ዘርግሑዎ መልእኽቲ ትዊተር፡ ጣሊባን ንመሰላት ደቀንስትዮን ኣዋልድን ከውሕሱ ጸዊዖም ነይሮም።

ብሊንከን፡ መሰላት ዜጋታት ከመይ ከም ዝሕሎ ብደቂቑ ክከታተሉ ምዃኖም ኣመልኪቶም።

ጣሊባን ንርእሰ-ከተማ ካቡል ድሕሪ ምቍጽጻሩ :እታ ከተማ ንቡር ህይወታ ትቕጽል ምህላዋ መሰኻኽር ይገልጹ። እቲ ኣቐዲሙ ባዲሙ ዝጸንሐ ጐደናታት ናብ ንቡር ተመሊሱ፡ ዝበዝሓ ዓበይቲ ኣንስቲን ቆልዑን ደኣ ይንበራ እምበር ሓያሎ ደቀንስትዮ’ውን ኣብ ጎደናታት ከም ዝተራእያ ተፈሊጡ።

መንእሰያት ደቀንስትዮ ግን ካብቲ ዘዘውትርኦ ኣከባቢ ተኸዊለን’የን። እተን ዝወጻ ድማ ምሉእ-ብምሉእ ተሸፊነን ምንባረን፡ ሰብኡት’ውን ዝበዝሑ ባህላዊ ልብሲ እታ ሃገር ተኸዲኖም ይዛወሩ ምንባሮም መሰኻኽር ይገልጹ።

ካብ 1996-2001 ጣሊባን ነታ ሃገር ብሕጊ ሸሪዓ’ዮም ዘመሓድሩዋ ነይሮም። ናይ ሕጂ ዘሎ ስጋኣት እምበኣር ናብቲ ናይ ቀደም ሕጊ ሸሪዓ ከይምለሱ’ዩ።

ኣብ ብዙሓት ዘሎ ሻቕሎት:ነቶም ምስ ወጻኢ ሃገራት ክሰርሑን ክተሓባበሩን ዝጸንሑ ዜጋታት ሕነ ከይፈድዩ’ዩ።

ስለዚ ከኣ’ያ ኣመሪካ ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ካብ 5-9-ሽሕ ዝበጽሕ ምግዓዝ ሓደጋ ክገጥሞም ዝኽእል ዜጋታት ክትገብር ትምድብ ዘላ። ኣመሪካ ካብ ቀዳም ክሳብ ሕጂ 6-ሽሕ ሰባት ኣውጺኣ ከም ዘላ ካብ ቤት-ጽሕፈት ዋይት-ሃውስ ዝወጸ ሓበሬታ የምልክት።

ኵሎም ኣመሪካውያን ካብታ ሃገር ብሰላም ክሳብ ዝወጹ ወተሃደራት ኣመሪካ ኣብ ኣፍጋኒስታን ክጸንሑ ምዃኖም ፕረዚደንት ባይደን ኣፍሊጦም ኣለዉ።

ዳይረክተር ፕሮግራም መግቢ ዓለም ጨንፈር ኣፍጋኒስታን፡ መሪ ኢለን ማክሮርቲ፡ ኣስታት 14 ሚልዮን ህዝቢ’ታ ሃገር ሓደጋ ጥሜት የንጸላሉዎም ከም ዘሎ ንጋዜጠኛታት ሓቢራ። ኣብ ርእሲ’ቲ ስእነት ጸጥታ፡ ለበዳ ኮቪድ-19ን ስእነት ማይን’ውን ነቲ ኩነታት ከም ዘጋደዶ እታ በዓልቲ ስልጣን ትሕብር።

ዓለማዊ ማዕከን ገንዘብ (IMF) እውን ብረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ብሰንኪ ስእነት ንጹር መምርሒ:ስራሓቱ ኣብ ኣፍጋኒስታን ከም ዘቋረጾን ነታ ሃገር ካብ ቀረባት እቲ ትካል ከም ዝኣለያን ኣፍሊጡ።

ሃዲሞም ኣብ ኢማራት ዓረብ ተዓቚቦም ዘለዉ ፕረዚደንት እታ ሃገር ነበር ኣሽራፍ ቓኒ’ውን ብረቡዕ ኣብ ፈይስቡክ ኣብ ዝዘርግሑዎ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ፡ ኣብ መንጎ ጣሊባንን መራሕቲ እታ ሃገር ነበርን ዘተ ክግበር ጸዊዖም። ንዝተረፈ ህይወቶም ኣብ ስደት ከምዘየሕልፉዎ ዝገለጹ እቶም ፕረዚደንት፡ ጣሊባን ናብ ስልጣን ዝመጹ ብሰንኪ ዝፈሸለ ዘተ ሰላም ምዃኑ’ውን ጠቒሶም።

XS
SM
MD
LG