ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጣሊባን ምውጻእ ብኣመሪካ ዝምርሑ ሓይልታት ንካልኦት ወረርቲ መምሃሪ 'ዩ ክብል የጠንቅቕ


 ቀንዲ ወሃቢ ቃል ጣሊባን ዛቢዩላህ ሙጃሂድ
ቀንዲ ወሃቢ ቃል ጣሊባን ዛቢዩላህ ሙጃሂድ

ጣሊባን ብኣመሪካ ዝምርሑ ናይ ወፃኢ ሓይልታት ካብ ኣፍጋኒስታን ጠቕሊሎም ምውፅኦም ‘’ንካልኦት ወረርቲ መምሃሪ እዩ’’ክብል ሎሚ ሰሉስ ኣፍሊጡ።እንተኾነ ግን ምስ ኣመሪካ ይኹን ምስ ዝተረፈ ማሕበረሰብ ዓለም ፅቡቕ ርክብ ክህልዎም ድልየት ኣለዎከምዘለዎ ኣይሓብአን።

ቀንዲ ወሃቢ ቃል ጣሊባን ዛቢዩላህ ሙጃሂድ ብኣመሪካ ዝምርሑ ሓይልታት ምውፅኦም ናይ ኩላትና ዓወት እዩ ክብሉ ንኣፍጋኒስታን እንኳዕ ኣሐጎሰኪ ኢሎምዎ።

ጣሊባን ከመይ ከምዘመሓድር እውን ኣፋፍኖት ሂቦም ኣለው።ምስኦም ንዝነበሩ ኣባላት ሰራዊቶም ንኣፍጋናዊያን ዜጋታት ብጭካነ ከይሕዙዎም ኣተሓሳሲቦም።

ንሰራዊቶም "ንህዝቢን ኣፍጋኒስታን ብለውሃትን ፅቡቕ ኩነታትን ሓዙዎም’’ ኢሎምዎ ። ‘’ህዝቢ እዚ እዩ ዝግብኦ’’ ምስ በሉ ናይ ህዝቢ ኣገልገልቲ ኢኹም ኢሎም ብምዝኽኻር ኣብ ልዕሊ ህዝብኹም ኣይትጨክኑ ኢሎምዎም።

ጣሊባን እቲ መዕረፎ ነፈርቲ ብዝተኽኣለ ቅልጣፈ ንናይ ንግዲ በረራ ክፉት ንምግባር ቃል ኣትዩ ኣሎ።

ናይ መወዳእታ ወታሃደራት ኣመሪካ ፕሬዝዳንት ጆ ባይደን ዘቐመጡዎ ናይ ግዜ ደረት 31 ነሓሰ ቅድሚ ምብቅዑ ወፂኦም ኣለው።ኣመሪካን መሻርኽታን ዋላ'ኳ ማእለያ ዘይብሉ ሰብ ኣብኡ እንተተረፉ እውን ንልዕሊ 123,000 ስቪላት ካብ ኣፍጋኒስታን ኣውፂኦም ኣለው።

XS
SM
MD
LG