ኣብ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ኣዋርሕ ዝናብ ካብ ዝጅመር ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብሰንኪ ብርቱዕ ዝናብ ዘስዓቦ ምዕልቕላቕ ልዕሊ 200 ሰባት ሞይቶም ኣለው።ሙቐት ማይ ህንዳዊ ውቅያኖስ ክሳብ ክልተ ድግሪ ሰንቲግሬድ ክውስኽ ዘኽእልን ዝለዓለ ናይ ማይ ሃፈታ ብምውሳኹ ኣብ ወሰን ማያት ምብራቕ ኣፍሪቃ መጠን ዝናብ ኣብ ህንዲ ውቅያኖስ ብዝተፈጥረ ዲፖል ዝተብሃለ ሓይሊ ከምዝውስኽ ክኢላታት ይገልፁ።
ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ክሳብ ሰለስተ ሚሊዮን ሰባት ብዝናብ፣ውሑጅን ምንሽርታት መሬትን ኣብ ቀረባ መዓልታት ተሃሲዮም ኣለው።እዚ ብርቱዕ ዝናብ፡ምዕልቕላቕ ውሕጂን ምንሽርታት መሬታን ካብ ዘጋጠሞም ከባቢታት ሓደ ኣብ ኬንያ’ዩ። ንሰለስተ መዓልታት ኣብ ሓንቲ ንእሽተይ ደሴት ተቐርቂሩ ዝፀንሐ ኬንያዊ ገፋፊ ዓሳ ቪንሰት ሙሲላ ንዘጋጠሞ ብከምዚ ክብል ይገልጽ።
“ዓርቢ ዓሳ ክገፍፍ ናብኡ ወፊረ ነይረ።ማይ ኣይነበረን።ብሃንደበት ውሑጅ ኣዕለቕሊቑ፤ኣብ ውሽጢ ክልተ ደቓይቕ ተኸቢበ ክወፅእ ኣይክኣልኩን።”
ኣባይቲ ዓኒዮም፣ዘርእቲ በሪሶም።ፅርጊያታትን ድልድያትን ብሰንኪ ዝወረዶም ዕንወት ናብ ገጠር ንምጉዓዝን ረድኤት ንምቕራብን ኣፀጋሚ ኮይኑ።
ኣብ ቀረባ ንበዓልቲ ቤቱ ዝቐበረ ጆሴፍ ኦቲየኖ ውሑጅ ንሬሳ በዓልቲ ቤቱ ካብቲ መቓብር ከየውፅኦ ስግኣቱ ይገልፅ።
“ምናልባሽ ሎሚ ተወሳኺ ዝናቡ እንተ ወቒዑ ሬሳ በዓልቲ ቤተይ ካብ መቓብር ክነውፅኦ ንግደድ ንኸውን።እቲ ናይ ሬሳ ሳንዱቕ ከይወፅእ ኣብ ልዕሊኡ ዓበይቲ ኣእማን ነቐምጠሉ ኣለና።”
ኣብ መላእ እቲ ዞባ ሕፅረት መግቢ ኣጋጢሙ’ሎ።ገዝኡ ብውሑጅ ዝተወስዶ ዴቪድ ኣጉኮ ከምዚ ይብል።
“ሎሚ ዘበን ግራውትና ጠፊኡ’ዩ።ከብትና ከይተረፋ እየን ብውሕጅ ተወሲደን።ኣብ ዓብይ ሽግር ኣለና።”
ከቢድ ዝናብ ኣብ ገለ ኽፋላት ደቡብ ሱዳን ከቢድ ጉድኣት ኣውሪዱ’ሎ።ብግጭት ዝተመዛበሉ ማሕበረሰባት ደጊሞም ብውሑጅ ከባቢኦም ክልቁ ተገዲዶም ኣለው።ኣብ ደቡብ ሱዳን ፍሉይ ልኡኽ ሕብራት ሃገራት ዴቪድ ሺረር ትካሎም ኣብ ኣኮቦ በዚ ባህርያዊ ሓደጋ ንዝተጎድኡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት መሰረታዊ ዝኾኑ ኣገልግሎታት ንምቕራብ ከምዝተጸገመ ይገልጹ።
“እዚ ከባቢ እዚ ዓሚቕ ቦታ እዩ።ካብ ኢትዮጵያ ከይተረፈ እዩ ውሑጅ ዝመፅእ ዘሎ።ኣዚዩ ዘሕዝን እዩ።ምስ ሰብኣዊ ሓገዝቲ ክንዘራርበሉ ኢና።”
ዴቪድ ሺረር ፕሮግራም መግቢ ዓለም ብኦክስፋም ኣቢሉ ገለ ሓገዝ መግቢ ይልእኽ ኣሎ።ዘድልይ ሓገዝ ካብቲ ሰብ ዝግምቶ ንላዕሊ እዩ ይብሉ።
ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ካብ ጥቅምቲ ክሳብ ታሕሳስ ዘሎ እዋን ዝናብ ይወቅዕ እዩ፤ከምዚ ናይ ሎሚ ግን ኣይኮነን።ተመራመርቲ ናይዚ ዓመት ዝናብ ዝተፈለየ ዝገብሮ ኣብ ህንዲ ውቅያኖስ ዋዒ ማይ ብምውሳኹ እዩ ይብሉ።