ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጠንቂ ምውዳቕ ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ጸገም ዲዛይንን ሶፍትዌርን ምዃኑ ተገሊጹ


እታ ነፋሪት ዝወደቐትሉ ቦታ- ፋይል
እታ ነፋሪት ዝወደቐትሉ ቦታ- ፋይል


ኣብ ባሕቲ መጋቢት 2011 ወዲቃ ዝተሓምሸሸት ንብረት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝነበረት ቦይንግ 737 ማክስ ጠንቂ ምውዳቓ መቆፃፀሪ ኣካላ ምዃኑ ተገሊፁ።

መበገሲ’ቲ ሓደጋ ምስ ዝተፈላለዩ ዓለምለኸ ኣካላት ብሓባር ክምርመር ፀኒሑ’ዩ።

ሚኒስተር መጉዓዝያን ሎጂስቲክስ ኢትዮጵያ ዳግማዊት ሞገስ ኣብ እዋን’ቲ ምርመራ ተጽዕኖታት እንተነበሩ’ዃ ነዚ ተፃዊርካ እቲ ምርመራ ከምዝተኻየደ ገሊፀን። ብሓፈሻ ጠንቂ’ቲ ሓደጋ ፀገም ዲዛይንን ሶፍትዌርን ምንባሩ ተገሊፁ ኔሩ’ዩ።

በቲ ሓደጋ ዜጋታት 35 ሃገራት ዝኾኑ ብሓፈሻ 157 ሰባት ምሟቶም ይዝከር።

XS
SM
MD
LG