ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጠቕላሊ ፈደራል ቤት ፍርዲ ንጥርጡራት መጥቓዕቲ ቦምብ ሰልፊ ሰነ ክሲ ንምምስራት ዝተማልኣ መርትዖ ክቐርብ ኣዚዙ


ናይ ኢትዮጵያ ጠቕላሊ ፈደራል ቤት ፍርዲ 16 ሰነ 2010 ዓ.ም ንቀዳማይ ሚንሰተር ኣብይ ኣሕመድ ንምድጋፍ ኣብ ዝተፀውዐ ናይ መስቀል ኣደባባይ ሰልፊ ናይ ቦምብ መጥቓዕቲ ፈፂሞም ብዝብል ተጠርጢሮም ዝተትሓዙ ሰባት ክሲ ክምስረቶም ትፅቢት እንተተገብረ እውን መርማሪ ፖሊስ በቲ መጥቓዕቲ ካብዝተጎድኡ ናይ 40 ሰባት ቃል ጥራሕ ሒዙ ብምቕራቡ ንካልእ መዓልቲ ተመሓላሊፉ።በቲ መጥቓዕቲ ጉድኣት ዝወረዶም ልዕሊ ሓደ ሚእቲ ብምዃኖም መርማሪ ፖሊስ ናይ ኩሎም ቃል ኣማሊኡ ከረክብ ተኣዚዙ’ሎ።

ቦምብ ብምቕባል ዝተጥርጠረ ኣቶ ብርሃኑ ጃፋርን ነቲ ቦምብ ደርቢዩ ከምልጥ ከምዝተትሓዘ ዝዝረበሉ ተጠርጣሪ ኣቶ ጥላሁን ጌታቸውን ካብ 12 ሰነ ክሳብ 16 ሰነ ተለዋዊጦም ዝተባህለ ናይ ስልኪ ዝርርብ ካብ ኢትዮ ቴሌኮም ብምውፃእ ኣካል ናይቲ ምርመራ መዝገብ ክገብር ከምዘለዎ ብምሕባር ኣማሊኡ ከቕርብ ንመርማሪ ፖሊስ መሊሱ ምልኣኹ እቲ ዓቃቢ ሕጊ ነቲ ቤት ፍርዲ ኣረዲኡ’ሎ።

መርማሪ ጉጅለ ኣማሊኡ ንምቕራብ 14 መዓልታት ንቤት ፍርዲ እንተሓተተ እውን ቤት ፍርዲ ሸውዓተ መዓልታት ሂቡዎ’ሎ።ተኸሰስቲ ብነፃ ክወፁ ወይ ናይ ዋሕስ መሰሎም ክሕለወሎም ጠሪዖም ነይሮም።

16 ሰነ 2010 ዓ.ም ብዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ቦምብ ክልተ ሰባት ሞይቶም : ልዕሊ 100 ሰባት ድማ ከቢድን ቀሊልን ጉድኣት ምውራዱ ይዝከር ።

XS
SM
MD
LG