ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ ኣፍሪቃዊያን ንስደተኛታት ዝህብዎ ሓገዝ ንኢዶም፡ መፍትሒ ግን ኣየነጸሩን


ፋይል
ፋይል

ካብ ሊቢያ መውፅኢ ዝስኣኑ ስደተኛታት ኣብ ዓብይ ሽግር ከምዝርከቡ ይገልፁ ኣለው። ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሪቃዊያን ንፍልሰተኛታት ዝህብዎ ሓገዝ ንኢዶም ኣለው።ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረስ ዝማዕበላ ሃገራት ንፍልሰተኛታትን ተመዛበልትን ንምሕጋዝ ናይ እጃመን ክገበራ’ውን ፀዊዖም ኣለው።

ድሕሪ ምውዳቕ ሞሓመድ ጋዳፊ መናሀሪያ ዕጡቓት ናዕበኛታት፣ነጋዶ ደቂ ሰባትን ሸፋቱን ዝኾነ ሊቢያ ስደተኛታት ኣብ ኣውሮጳ ዑቕባ ንምሕታት ከም መሕለፊ ዝጥቀምሉ ቀንዲ መተሓላለፊ ኑቕጣ እያ።

ጃሽዋ በለጠ ኣብ ኣውሮጳ ዝሓሸ ናብራ ንምንዳይ ንሊብያ ከም መስገሪ ዝተጠቐመ ስደተኛ እዩ።እንተኾነ ግን ከም ካልኦት ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ንሱ እውን ሊቢያ ምስ ኣተወ መውፅኢ ስኢኑ።

ብናይ ሊቢያ ሓለወቲ ማያት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ተታሒዙ ንሽዱሽተ መዓልታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ፀንሐ ኣብ ዋና ከተማ ትሪፖሊ ናብ ዝርከብ ናይ ሕቡራት ሃገራት ማእከል ስደተኛታት ከምዝኣተወ ይገልፅ።

ጃስዋ ሓደ ካብቶም ዕድለኛታት እዩ።ምኽንያቱ ብዙሓት ስደተኛታት ተጨውዮም ንመስቀይትን ሓሳረ መከራን ይቃልዑ’ዮም።

ኢድሪስ ኣደም እውን ብተመሳሳሊ ከም ጃሽዋ በለጠ ኣብ ናይ ሕቡራት ሃገራት ናይ ስደተኛታት ማእከል ይርከብ።ካብ ማእኸል ባሕሪ ተታሒዙ ፍልሰተኛታት ሶማሌ፣ኮሞሮስ፣ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ዝተዳጎኑሉ ማእከል ይርከብ።

ኣብ ዙሪያ ዓለም ብሓይሊ ካብ መንበሪኦም ዝተመዛበሉ ልዕሊ 68 ሚሊዮን ሰባት ከምዘለው ሕቡራት ሃገራት ይገልፅ።መብዛሕቲኦም ካብ ኣፍሪቃ ዝመፁ እንተኾኑ እውን ንመብዛሕቲኦም ፍልሰተኛታትን ስደተኛታትን ዑቕባ ዝህቡ ግን ኣውሮጳዊያን ዘይኮኑ ኣፍሪቃዊያን እዮም።

ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረስ ብዛዕባ እዚ ከምዚ ይብሉ።

“መብዛሕቲኦም ኣፍሪቃዊያን ፍልሰተኛታት ናብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ዝስደዱ ብቐሊሉ ንምውህሃድ እዩ።ክንድ’ቲ ኣብ ኣውሮጳን ካልኣት ክፍለ ዓለማትን ዘጋጥሞም ሽግራት ዓሌታውነትን ፅልኢት ናይ ካልኦት ዓሌታትን ኣየጋጥሞምን እዩ።”

ንሶም ወሲኾም ሃገራት ኣፍሪቃ ብዘይዝኾነ ይኹን ኣፈላላይ ካብ ግጭትን ማእሰርትን እናሃደሙ ንዝስደዱ ስደተኛታት ዶባቶም ከፊቶም ምቕባሎም ሞገስን ክብርን ይግብኦም ኢሎም።

ጉተረስ ኣብ ኣፍሪቃ ይረአ ዘሎ ልግሲ ኣብ ካልእ ክፋል ዓለም ብፍላይ ድማ ኣብ ዝሃብተማ ሃገራት እውን ክርእይ እደሊ እየ ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG