ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ እስራኤል ሓላፊ ሁማን ራይትስ ዎች ካብታ ሃገር ክባረር ዝድግፍ ውሳነ ሂቡ


ሓላፊ ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሁማን ራይትስ ዎች ዑማር ሻኪር
ሓላፊ ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሁማን ራይትስ ዎች ዑማር ሻኪር

ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ እስራኤል መንግስቲ እታ ሃገር ንናይቲ ዞባ ናይ ሓላፊ ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሁማን ራይትስ ዎች ክባረር ምውሳኑ ዝድግፍ ውሳነ ሂቡ።

ኣሜሪካዊ ዑማር ሻኪር ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዒላማ ዝገብሩ ምሕሳምን እገዳታትን ይድግፍ እዩ ብዝብል ይኽሰስ።

ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብያን እገዳታትን ክንበር ዝሰርሕ ብፍልስጤማዊያን ንዝምራሕ ምንቅስቓስ ዝድገፉ ወፃእተኛታት ካብታ ሃገር ክባረሩ ዝብል ሕጊ ኣብ 2017 ምጽዳቑ ዝዝከር ኮይኑ ሕጋዊ ነባሪ እስራኤል ዝኾነ ሰብ ካብታ ሃገር ክባረር ግን እዚ ንፈለማ ግዜ እዩ።ሻኪር ኣብ ውሽጢ 20 መዓልታት ካብ እስራኤል ክወፅእ ኣለዎ።

እስራኤል ቅድሚ ሎሚ እውን ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ኣባላት ኮንግረስ ኣሜሪካ ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ሰባት ናብ ሃገራ ከይኣትው ክትኽልክል ፀኒሓ’ላ።

ሁማን ራይትስ ዎች ኣብ ዝሃቦ መልሲ ግን ሻኪር ይኹን እቲ ትካል ኣብ ልዕሊ እስራኤል እገዳታት ክግበር ፀዊዖም ኣይፈልጡን ኢሉ’ሎ።

XS
SM
MD
LG