አዲስ አበባ/ባህርዳር —
ኣብ ክልል ኣምሓራ ይረአ ካብ ዘሎ ጉዳይ ክሲ ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ አቶ በረኸት ስምኦን ብደረጃ ፌደራል ዝምራሕ ክሲ የለን ክብል ጠቅላሊ ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
በደረጃ ፈደራል ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ዝወጸሎም ሓላፊ ደሕንነት ነበር ኣቶ ጌታቸው አሰፋ ግን ንምእሳሮም ጻዕሪ ይካየድ ምህላው ተገሊጹ። ዓቃቢ ሕጊ ብተወሳኺ ኣብ ክልል ሶማሌ ዝተፈጸሙ ገበናት ሓቢሩ’ሎ።
ብገበን ብልሽውና ተታሒዞም ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ቀይዲ ዝርከቡ ላዕለዎት መራሕቲ ብአዴን ነበር ኣቶ በረኸት ስምኦንን አቶ ታደሰ ካሳ ሎሚ ቤፍርዲ ቀሪቦም ጉዳዮም ኣብ ዝረኣየሉ ጊዜ ኣብ ማእሰርቲ ክጸንሑ ተወሲኑ።