ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጠቅላሊ ቤት ፍርዲ ክልል ኣምሓራ ኣብ ክሲ በዓል ብርጋዴር ጀነራል ተፈራ ማሞ ተለዋጢ ቆጸራ ከምዝሃበ ተገሊጹ


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ መዝገብ ክሲ በዓል ብርጋዴር ጀነራል ተፈራ ማሞ ሎሚ ዝረአየ ናይቲ ክልል ጠቅላሊ ቤት ፍርዲ ብተኸስስቲ ንዝቀረበ ይግባኝ ውሳነ ንምሃብ ን21 መስከረም 2012 ዓ.ም ተለዋጢ ቆጸራ ከምዝሃበ ተገሊጹ።

ተወሳኺ ናይ ምርመራ ጊዜ ይወሃበና ንዝብል ዝቀረበ ሕቶ አድላይ ኣይኮነን ክብል ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ባህርዳር ከባቢኣን ዝዓጸውዎ መዝገብ’ዩ ንጠቅላሊ ቤት ፍርዲ መጋባእያ ሰማዒ ይግባይ ሎሚ ቀሪቡ። ተከሰስቲ መርማሪ ጉጅለ ኣብ ዝተዋህቦ ጊዜ አድላይ ሓበሬታ አኪቡ ከቅርብ ብዘይምኽኣሉ ተወሳኺ ጊዜ ኣየድልን ከምዝተባህለ ይገልጹ። ይኹን ደአ እምበር እቲ መርማሪ ንሰማዒ ይግባይ ተወሳኺ ጊዜ ክወሃቡ ይግባይ ኢሉ ን21 መስከረን ቆጸራ ተዋሂቡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG