ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጎንጺ ፔሩ ዓሰርተታት ሰባት ይቐትል


ኣብ ሃገረ ፔሩ ኣብ መንጎ ደለይቲ ለውጢን ኣባላት ጸጥታ እታ ሃገርን ብዝካየድ ዘሎ ሰንሰለታዊ ሰለማዊ ሰልፍታት ዛጊት 34 ዜጋትት ምቕታሎም ዝበጽሓና ዜና ሓቢሩ። ካልኦት ኣማኢት ሰባት’ውን ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ጎንጺ ቆሲሎም ምህላዎም ይፍለጥ።

ትማሊ ሰኑይ፡ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ እታ ሃገር፡ ሰልፈኛታት ቅልጡፍ ምርጫ ክግበር ኣብ ዝሓተቱሉ እዋን ብዝተፈጥረ ጎንጺ 13 ዜጋታት ተቐቲሎም።

ኣብ ካልእ ቦታ’ውን ሰልፈኛታት ንመዓርፎ ነፈርቲ ክቆጻጸሩሉ ኣብ ዝፈተኑ እዋን 12 ዜጋታት ምቕታሎም ተሓቢሩ።

ካብ ፈለማ ወርሒ ታሕሳስ ኣትሒዙ፡ ምስ ምውራድ ፕረዚደንት ነበር ፔድሮ ካስቲሎ ተኣሳሲሩ ኣብታ ሃገር ሰለማዊ ስልፍታት ኣየዕረፈን። ድሕሪ ካስቲሎ ስልጣን ዝተረከበትን ቀረባ ናይቲ ካብ መዝነቱ ብብልሽውና ዝተኣልየ ካስቲሎን ዝዀነት፡ ዲና ቦሉዋርተ ሃገራዊ ምርጫ ካብቲ ፈለማ መዲባቶ ዝነበረት 2026 ኣብ 2024 ክግበር ምዃኑ ቃል ሂባ ኣላ። ህዝቢ ግን ምርጫ ብቕልጡፍ ክግበር’ዩ ይጠልብ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG