ዲ/ሪ/ኮንጎ —
ብሩዋንዳ ዝድገፉ M23 ዝተባህሉ ዕጡቓት ጕጅለ ገለ ዓድታት ይቆጻጸሩሉ ኣብ ዘለዉሉ እዋን፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ነበርቲ ንድሕነቶም ናብ ርእሰ-ከተማ እቲ ኣውራጃ ዝዀነት ጎማ ዝተሰምየት ከተማ ይስደዱ ምህላዎም ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ዜና ኣፍሊጡ።
ኣብቲ ንሰሙናት ዝቐጸለ ጎንጺ፡ ነቲ ድሮ ካብ መንበሪታቱ ተመዛቢሉ ዝጸንሐ ህዝብታት ተወሳኺ ጽዕንቶ ኰይኑዎ ምህላዉ ምንጭታት ካብቲ ቦታ ይሕብሩ። ኣብቲ ብማዕድን ሃብታም ዝዀነ ምብራቓዊ ኮንጎ፡ 120 ዕጡቓት ጕጅለታት ንስልጣንን ምቍጽጻር እቲ ከባቢን ክቃለሱ እንከለዉ፡ ነባሮ ድማ ንስለ መሬቶምን ርስቶምን ነብሶም ይከላኸሉ። በቲ ተደራራቢ ጎንጺ ኣስታት ሓሙሽተ ሚልዮን ዜጋታት ግዳይ ውሽጣዊ ምምዝባል፡ ዓጸቦን ሰብኣዊ ቅልውላውን ኰይኖም ኣለዉ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ማዕከን መግቢ ዓለም ኣብቲ ቦታ ሓገዝ እትህብ ዝነበረት ነፋሪቱ ብዕጡቓት ድሕሪ ዘጋጠማ መጥቓዕቲ በረራ ደው ከም ዘበሎ ኣፍሊጡ። እዚ ዝሓለፈ ሰሙን ዘጋጠመ ክስተት፡ ናብታ ሄሊኮፕተር ተደጋጋሚ ተዅሲ ደኣ ይፈነዋ እምበር፡ ብሰላም ምዕላባ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከፍልጥ እንከሎ፡ ንዝተወሰነ ግዜ ግን ናብቲ ከባቢ በረራታት ደው ከም ዘበለ ሓቢሩ።
ካብቶም ኣብቲ ቦታ ዝዋስኡ ኣስታት 120 ዕጡቓት ጕጅለታት ነታ ሄሊኮፕተር ዘጥቀዐ ኣካል ዛጊት ሓላፍነት ኣይወሰደን።