ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ግፍዒ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይን ኤርትራዊያን ስደተኛታት ከምዘሻቅሎም ሕጹይ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ገሊጾም


ሓድሽ ዝተመዘዙ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንክን ካብ ኣባላት ኮሚቴ ሰነት ኣሜሪካ ካብ መንጎ ዝቀረብሎም ሕቶታት ንኡጋንዳ፣ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝምልከቱ ነይሮም።

ኣብ ኡጋንዳ ንንቡር መስርሕ ምርጫ ዝጣሓሰ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ከምዝተካየደ፣ ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን መስርሕ ዲሞክራሲ ንድሕሪት ይጉተት ኣሎ እናበሉ ዝሙግቱ ወገናት ኣለው። ሓድሽ ምምሕዳር ኣሜሪካ ሓያል ንዘይኮነ መስርሕ ዲሞክራሲ አብ ሱዳን፣ ነተን ንዲሞክራሲ ተገዳስነት ኣርእየን ዝነበራ ግና’ከ ንድሕሪት ይምለሳ ኣለዋ ዝባሃላ ከም ኡጋንዳን ገለ ሰባት’ውን ንኢትዮጵያ ይጠቅሱ። ከመይ ኣቢልካ’ዩ ነዞም ኩነታት ምሕጋዝ ዝካኣል? ዝብል ሕቶ ካብ ኣባል ኮሚቴ ዝቀረበሎም ኣንቶኒ ብሊንክን "ከምዝመስለኒ፣ ዘየቋርጽ ጽምዶ ብምግባር’ምበር እቲ ጸገም ምስተፈጠረ ንክትእርሞ ብምፍታን ክኸውን የብሉን" ኢሎም። ብዛዕባ እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተኸሰተ ኣመልኪቶም "ብዛዕባ ኢትዮጵያ ዝተጠቀሰ ዓሚቅ ሻቅሎት ኣነ’ውን ይካፈሎ እየ። ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይን ኤርትራዊያን ስደተኛታት ከበድቲ ግፍዒታት ተፈጺሞም እዮም። ስለዚ፣ ናብ’ቲ ክልል ብዝበለጸ ክንኣቱ ኣገዳሲ እዩ፣ ተሓታትነት ክህሉ ኣለዎ። መስርሕ ልዝብ ክትግበር የድሊ፣ ኣፈላላያት ኣብ ክንዲ ብውግእ ብልዝብ ንክፍትሑ ክንሕግዝ ኣለና። ኣገልግሎት ርክባት ስርሖም ክጅምሩ ኣለዎም ኢልና ንኣምን። ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ተጸበይቲ ንክሓልፍ ንደሊ ኢና። ኣነ ብወገነይ፣ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተናኸሰ ህውከት ንመላእ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክልክሞ እዩ ዝብል ስግኣት ኣለኒ "ኢሎም::

ኣብ ኡጋንዳ፣ ካሜሩን፣ ብሕልፊ ኣብ ልዕሊ ተዛረብቲ እንግሊዝኛ ዝቀንዐ ጥቅዓት ተዓዚብና ኣለና። ስለዚ፣ ዩናይትድ ስቴትስ ብሰፊሑ ክትነጥፈሉ ዝግባኣ ብርክት ዝበሉ ከባቢታት ኣለው ኢሎም።

XS
SM
MD
LG