ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ግጭት ኢትዮጵያ ናብ ዓፋር ሰፊሑ ሆስፒታል ብቑሱላት ተፃቢቡ


ግጭት ኢትዮጵያ ናብ ዓፋር ሰፊሑ ሆስፒታል ብቑሱላት ተፃቢቡ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:17 0:00

ግጭት ኢትዮጵያ ናብ ዓፋር ሰፊሑ ሆስፒታል ብቑሱላት ተፃቢቡ

ድሕሪ ናይ ልዕሊ ሓደ ዓመት ግጭት ፌደራል መንግስትን ሓይልታት ትግራይን ሕዚ እቲ ውግእ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ዳርጋ የለን።ንናይ ትግራይ ኣባያን መጥቓዕትታት ግብረ መልሲ ንምሃብ ስቪላት ዓርሰምክልኻል ኣብ ዝፈጠርሉ ጎረቤ ት ክልል ዓፋር ግን እቲ ግጭት ቀፂሉ ኣሎ።ኣብ ከተማ ኣፍዴራ እቲ ቀንዲ ሆስፒታል ብዝቖሰሉ ሰባት ተፃቢቡ ኣሎ።

ዓይሻ ኑር ኣብ ክልል ዓፋር ከተማ ኣብዓላ ዝርከብ ገዝኣ ብከቢድ ብረት ክውቃዕ ከሎ ንብዓል ቤታን ሸሞንተ ደቆምን ቁርሲ ኣብ ምድላው ነይራ።

እቲ ፍንጀራ ንወዲ 10 ዓመት ኑር ዳርሳ እግሩ ኣቑሲሉዎ፣ወዲ ትሽዓተ ዓመት ጣሂር ዳርሳ ድማ ገፁ ተቓፂሉ።ዓይሻ ኑር ዝቖሰሉ ደቃ ናብ ዱብቲ ሆስፒታል ክትወስዶም ክኢላ ስድርኣ ግን ተፈላሊዩ።ዓይሻ ‘’ህይወትና ንምድሓን ኣብዚ ኣለና፤እቲ ኩነታት ግን ንስድራና ሓደገኛ እዩ።ብህይወት ይሃልው ኣይሃልው ኣይንፈልጥን’’ ትብል።

እቲ ሆስፒታል ብቕልጡፍ ብዝዓበየ ውግእ ክፍልታቱ ብቁሱላት ብምምልኡ ቤተ ንባቡ ወይ ላይብረሪኡ ንመደቀሲ ቑሱላት ይጥቀመሉ ኣሎ።

ዋና ፈፃሚ ስራሕ ሆስፒታል ዱብቲ ዶክተር ሓሰን ዓደን ‘’ኣካሎም ዝተቐደዱ፣ኣብ ከብዶም ዝቖሰሉ፣ገለ ድማ ኣብ ርእሶም ዝተወቕዑ፣ከቢድ ናይ ኣእምሮ መቑሰልቲ ዘጋጠሞም ሕሙማት ኣለውና።ብሰንኪ እቲ ፈንጀራ ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ዝተቖረፁ ቆልዑ እውን ኣለውና’’ ይብል።

ዶክተር ሓሰን ካብቲ ኵናት ይሃድሙ ከምዝነበሩንሓደጋ መኪና ከምዘጋጠመን ኣስታት ሽዱሽተ ሰባት ሞይቶም ዕድለኛታት ዝኾኑ ድማ ብህይወት ተሪፎም ናብ ሆስፒታል ኣምፂኢናዮም ይብል።

ኩነታት ሆስፒታል ግን ትሑት እዩ።ሕፅረት ኣልጋ፣ናይ ሕክምና ቀረባትን ማይን ኣድላይ መጥባሕትታት ከይገብሩ ይኽልክሎም ኣሎ።ሪፖርተርና ቪንሲየስ ኣሲስ እቲ ሆስፒታል ከምዚ ኣብቲ ክልል ዋና ሆስፒታል ምዃኑን 150 ዓራት ኣለዎ፤ግን ኣብዚ ሕዚ እዋን 250 ተሓክመቲ ኣለዎ ይብል።

ሓይልታት ትግራይ ኣብቲ ብማዕድን ሃፍታም ዝኾነ ክልል መጥቓዕቲ ምስፈነው ኣብ ክልል ዓፋር እቲ ውግእ ኣብ ጥሪ እዩ ገዲዱዎ ቀፂሉ።ኣብኡ ዝነብሩ ስቪላት ስኣን ሓገዝ መንግስቲ ቅሬቶም የስምዑ ኣለው።

XS
SM
MD
LG