ድጋፍ ስዑድ ዓረብ ዘይተፈለዮ ብፕረዚደንት ዓብዳራቡ መንሱር ዝምራሕ መንግስቲ የመን፣ ኣብ ልዕሊ ነቶም ናብ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ትርከብ ከተማ ማሪብ ይምርሹ ዝነበሩ ተዋጋእቲ ሑቲ መጥቓዕቲ ፈጺሞም።
ደባይ ተዋጋእቲ ሑቲ ብወገኖም ኣብ ከባቢ’ታ ከተማ ንዝርከቡ ገዛኢ ስፍራታት ዝሓለፈ ዓርቢ ተቆጻጺርና ከምዝበሉ እቲ ዜና ይገልጽ።
እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፣ ደባይ ተዋጋእቲ ሑቲ ኣብ ውሽጢ ስዑድ ዓረብ ንከተማ ካሚስ ሙሸይት ብጸልማት ንክትድብድብ ንዝላኣኹዋ ድሮን (ሰብአልቦ ነፋሪት) ወቂዓ ከምዘውደቀታ ስዑድያ ኣፍሊጣ ኣላ። እንተኾነ፣ ተዋጋእቲ ሑቲ ወይ ብተወንጫፊ ወይ ብድሮን ብዝፈጸምዎ ደብዳብ ትሑት ጉድኣት ከምዘውረዱ እቲ ዜና ይሕብር።
በዓል ስልጣን ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ አደል ጁበይር ንሚድያታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ "እቲ ተፈጺሙ ዝባሃል መጥቃዕቲ ኣንጻር ስዑድ ዓረብ፣ ካብ የመን ዘይኮነስ ካብ ኢራን እዩ ዝመስል" ኢሎም።
"ናብ ስዑድ ዓረብ ዝትኮሱ ሚሳይላትን ዝላኣኹ ድሮናትን መንቀሊኦም ኢራን እዩ። ኢራን ሰራሕን ኢራን ዝለሰገቶምን እዮም።" እቲ ሚኒስትር ወሲኹ ሕቡራት ሃገራት፣ እቶም ቅድሚ ሎሚ ናብ ስዑድ ዓረብ ዝተተኮሱ ትሕተተሉ ኢራን እያ ከምዝበለ ዝዝከር እዩ ኢሉ።
ወሃቢ ቃል ሓይልታት ሁውቲ ኮሎኔል ያህያ ሳሬ ብወገኑ ‘ኣብ ልዕሊ ሓይልታትን ብስዑድ ዓረብ ዝተነበረ እገዳታት ክሳብ ዝቀጸለ ደብዳብ ሚሳይላትን ድሮናትን ዘይተርፍ እዩ’ ኢሉ።
‘ሓይልታት ሁውቲ፣ ብሽዱሽተ ድሮናት ተሓጊዞም ኣብ ልዕሊ ዒላማታት ጥቃ ስዑድ ዓረብ ርያድ ዝርከቡ ትካላት ነዳዲ ጥቅዓት ፈጺሞም እዮም። ሰራዊትና ኣብ ትሕቲ እገዳ ስዑድ ዓረብ ክሳብ ዝኣተው፣ እቲ ደብዳብ ክቅጽል እዩ’ ይብል እቲ ወሃቢ ቃል።
ሰራዊታት ደባይ ተዋጋእቲ ሁውቲን ብፕረዚደንት ሃዲ ዝምራሕ መንግስቲ የመንን፣ ነቲ ኣብ ከባቢታት ሳልሳይቲ ዝዓበየት ከተማ የመን ዝኾነት ማሪብ ዘለው ኣገደስቲ ስፍራታት ንምቁጽጻር ኣብ ውግእ እዮም ቀንዮም።
ተንታኒ ፖለቲካ ሳሊም አል ያሚ ብወገኑ፣ ሓይልታት ሑውቲ ኣብ ልዕሊ ማሪብ ንልዕሊ ሰሙን ዘካየድዎ መጥቃዕቲ፣ ንብዙሓት የመናዊያን፣ ሁውታዊያን እንተተዓዊቶም፣ ኢራን ኣብ’ቲ ዞባ እግሪ ክትተክል ከሐግዛ እዩ ዝብል ሻቅሎት ከምዝፈጠረሎም ገሊጹ።