ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ግጭት ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃድኣሉ ኣብ ክልል ኦሮምያ ግጭት ይውስኽ'ሎ


ግጭት ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃድኣሉ ኣብ ክልል ኦሮምያ ግጭት ይውስኽ'ሎ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:35 0:00

ግጭት ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃድኣሉ ኣብ ክልል ኦሮምያ ግጭት ይውስኽ'ሎ

ግጭት ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃደኣሉ እዋን ካልእ ግጭት ድማ ክቀላቐል ምጅማሩ ንመንግስቲ ብድሆ ኮይኑዎ`ሎ። እዚ ዝኸውን ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ሓደ እዋን ካብ መንጎ ዝቐልጠፈ ዝበሃል ቁጠባ`ታ ሃገር ንምብርባር ማዕቀብ ክልዓለሉ ንማሕበረሰብ ዓለም ንምእማን ኣብ ዝጽዕረሉ ዘሎ እዋን`ዩ።

ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዋሺንግተን ኣብ ዋዕላ መራሕቲ ኣፍሪቃን ኣመሪካን ተረኺቡ ነቲ ኣብ መንጎ መንግስቱን ተዋጋእቲ ትግራይን ዝተበጽሐ ውዕል ሰላም ኣብ ዘፋልጠሉ ዘሎ እዋን እቲ ዝሰፍሐ ክልል ኦሮሚያ ግን ዘይምርግጋእ እናተራእዮ ይኸይድ ኣሎ።

ካብ ኣፍሪቃ ብብዝሒ ህዝቢ ካልአይቲ ዝኾነት 120 ሚልየን ህዝቢ ዘለዋ ኢትዮጵያ ሕጂ`ውን ምስ ቀቢላዊ ጉጅለታትን ዕጡቓት ደገፍቶምን ዝካየድ ግጭት ክተደቅስ ትቃለስ ኣላ።

ገለ ጉጅለታት ተወላዶ ኦሮሞን ኣምሓራን ብምቅትታል ነንሕድሕዶም ይካሰሱ`ለዉ።ኣሶሼይትድ ፕረስ ብሰንኪ ሕጽረት መራኸብታትን ነበርቲ ከይዛረቡ ብምፍርሖምን ድማ፡ ኣብ ኦሮሚያ ብሰንኪ'ቲ ግጭት ዝሞቱ ቁጽሮም ንምፍላጥ ኣጸጋሚ` ኮይኑ`ሎ ይብል ።

ሓደ ሽሙ ዘይጠቐሰ ምስክር ካብ `ኪራሙ` ዝተባህለ ወረዳ ንኣሶሼይትድ ፕረስ ክገልጽ ከሎ፡ ካብ ሕዳር 24 ጀሚሩ ካብ መንጎ ዝተቐትሉ ብውሕዱ 34 ሰባት፡ ኣብኡን ወዲ ሓውቡኡን ከምዝርከብዎም ገሊጹ። ቀተልቲ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ዘለዉ`ዮም ምኽንያቱ ናቶም ዝመስል ክዳን ዝተኸደኑ`ዮም ይብል።

ንሱ ክገልጽ ከሎ፡ እቲ ግጭት ኣብ መንጎ ሓደ ሚልሻን ፍሉይ ሓይሊ ኦሮሚያን`ዩ ተጀሚሩ፡ እቶም ፍሉያት ሓይሊ ኦሮሚያ ነቲ ሚልሻ ቀቲሎሞ፡ ንሱ ድማ ኣባል ማሕበረሰብ ኣምሓራ`ዩ ኔሩ፡ ድሕሪኡ ንሰሙን ዝቐጸለ ቅትለት ተኻይዱ፡ ኣማኢት ድማ ገዝኦም ገዲፎም ሃዲሞም ይብል።

ዱጋሳ ፈይሳ ዝተባህለ ካብ ብሄር ኦሮሞ ዝኾነ ካልእ ነባሪ ኪራሙ ግን ካልእ `ዩ ዝብል፡፡ ፋኖ ዝብሃሉ ዕጡቓት ኣምሓራ ንሰለማውያን ሰባት ኣጥቂዖም ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ቀቢርና፡ ንፖሊስ ኣይብሉ ንሰራሕተኛ መንግስቲ ንዝረኸብዎ ይቐትሉ ኔሮም፡ ገዛውቲ ኣንዲዶምን ዘሚቶምን ይብል።

ንሱ ወሲኹ ኦሮሞን ኣምሓራን ንዘመናት ብሓደ ዝነበሩ`ዮም፡ ከምዚ ግን ርኢና ኣይንፈልጥን ይብል። ምኽትል ኣመሓዳሪ ጊዳ ኣያና ዝተባህለት ወረዳ ዝኾነት ገታሁን ቶለራ ብወገኑ፡ ሲቪላት ይቕተሉ ኣለዉ፡ እቶም ፋኖ ዝብሃሉ ድማ ብኸቢድ ዝዓጠቑ`ዮም ብምባል ንዕኦም ይኸስስ።

ሰበ-ስልጣን ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ`ቲ ኣብ ኦሮሚያ ዝተፈጸመ ቕትለት ርእይቶ ክህቡ ኣይተረኽቡን፡ ብግልጺ`ውን ኣይተዛረብሉን። ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ዝሓለፈ ሰሙን ክዛረብ ከሎ ዝርዝር ከይሃበ፡ “ጽንፋዊ ኣረኣእያ ዘለዎም ጸላእቲ” ነዛ ሃገር ክህውኽዋ ይጽዕሩ ኣለዉ ኢሉ። ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣብ 10 ዞባታት ኦሮሚያ ኣማኢት ሰባት ብዘስካሕክሕ ኩነታት ተቐቲሎም ኢሉ። እቲ ቕትለት ድማ ኣብ ቀቢላን ፖለቲካዊ ኣረኣእያን ዝተመስረተ ምንባሩ ብምጥቃስ፡ መንግስቲ ነቲ ኩነታት ንምህድኡ ቅልጡፍ ስጉምቲ ክወስድ ጸዊዑ።

ተቓወምቲ ፓርትታት`ውን ክዛረቡ ጀሚሮም ኣለዉ፡ ፈደራል መንግስቲ ነቲ ግጭት ጠጠው ከብሎ ኣለዎ እናበሉ ይጽውዑ`ለዉ።

ፍሉጥ ፖለቲከኛ ኦሮሞ ጃዋር መሓመድ ብወገኑ ዝሓለፈ ወርሒ ፡ ኣብ ከባብታት ኪራሙ ፡ሆሮ ጉዱሩ፡ ኩዩ፡ ከምኡ`ውን ዋራ ጃርሶ፡ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ብውሕዱ 350 ተቐቲሎም ልዕሊ 400,000 ተፈናቒሎም ኢሉ ኔሩ። ቀልጢፉ ጠጠው እንተዘይሉ ድማ ናብ ካልኦት ከባብታት`ተን ክልተ ክልላታት`ውን ክልሕም ይኽእል`ዩ ክብል ኣጠንቂቑ።

XS
SM
MD
LG