ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ግጉይ ሓበሬታን ምምያን ምንቁልቋል ናጽነት ፕረስ የላዕል


ሎሚ 3 ግንቦት ተኸቢሩ ኣብ ዝውዕል መዓልቲ ናጻ ፕረስ ምኽንያት ብምግባር፡ ዓለምለኻዊ ዘይመኽሰባዊ ትካል ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ምስ ምስፍሕፋሕ ግጭታት፡ ናጻ ፕረስን ሓበሬታን ኣብ ዝተሓተ ጽፍሑ በጺሑ ኣሎ ክብል ጠቒሱ። ብሰንኪ እቲ እናተጋፍሐ ዝኸይድ ዘሎ በበይኑ ግጭታት ድማ ዝንቡዕ ርእይቶ ከም ጭቡጥ ሓበሬታ ዝቐርበሉ ኣጋጣሚታት እናወሰኸ ይኸይድ ከም ዘሎ እቲ ጸብጻብ ይሕብር።

ፓሪስ-ፈረንሳይ ዝመደበሩ ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ ኣብቲ ዘውጽኦ ዓመታዊ ተርታ ናጻ ፕረስ ሃገራት ኤርትራ ካብ መበል 180 ሃገራት ንሰሜን ኮርያ ጥራይ ቀዲማ መበል 179 ክትስራዕ እንከላ፡ ኢትዮጵያ ድማ መበል 114 ካብ 180 ሃገራት ተሰሪዓ ኣላ። ኣብዚ ተርታ’ዚ ኤርትራ ብተደጋጋሚ እዋን፡ ናጽነት ፕረስ ዝኸፍአ ዝርኣየላ ሃገር ተባሂላ መጨረሽታ ክትስራዕ ጸኒሓ’የ።

ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ዝተፈጸመ ወራር ንናይ ሓሶት ወረ ካልእ መዋግኢ ባይታ ከፊቱ`ዩ። ዶብ-ኣልቦ ሪፖርተራት ዝተባህለ ተሓላቒ ናጽነት ሚድያ፡ ሎሚ ኣብ ዝወጸ ናይ 2022 ጸብጻቡ፡ ፕሮፓጋንዳ ንናጽነት ሚድያ ብኸመይ ከም ዝጸለዎ ዘርኢ ጸብጻብ ኣውጺኡ`ሎ፡፡

ኣብ ልዕሊ ተኣመንቲ ሚድያታት ዝቐንዐ ፕሮፓጋንዳን ማእሰርትን ተራእዩ፡ ወተሃደራት ሩስያ ንዩክሬን ኣብ ዝወረርሉ እዋን ኣብ ልዕሊ ናጻ ፕረስ ዝካየድ መጥቃዕቲ`ውን ሓይሉ።

ብመሰረት ብዶብ ኣልቦ ሪፖርተራት ዝወጽእ ዓመታዊ ጸብጻብ ደረጃ ሃገራት፡ ናጽነት ሚድያ ሩስያ ዳርጋ ናብ ባይታ ወሪዱ።

እቲ ዝርዝር ን28 ሃገራት ሕማቕ ናጽነት ሚድያ ኢሉ ዝመደበን ክኸውን ከሎ፡ ከም ቻይና ዝበላ ካብ ዶበን ሓሊፈን ምመያ ሚድያ ዝገብራን ንፕሮፓንጋንዳ ሩስያ ዘጋውሓን ዝተሓወስኦ ኮይኑ`ሎ።

ብሰንኪ ተጽዕኖታት በይጂንግ፡ ሆንግ ኮንግ`ውን ቅጽበታዊ ምንቁልቋል ኣርእያ`ላ፡ ድሕሪ ኣብ ልዕሊ ደገፍቲ ደሞክራሲ ዝኾና መርበብ ሓበሬታታት ተደጋጋሚ መጥቃዕትታት ምክያድ ካብ 180 ሃገራት ፡ ኣብ መበል 148 ተሰሪዓ'ላ።

ሰበ-ስልጣን ንሚድያታት ክመምዩን ክጸቕጡን ድሕሪ ምንቅስቓሶም ኢትዮጵያን ኒከራግዋን`ውን ቁልቁል ወሪደን`የን።

ኣብ ኣመሪካ ምኽትል ዳይሬክተር ዶብ-ኣልቦ ሪፖርተራት ክለይተን ወይመርስ፡ዝያዳ ዘሻቕል ድማ ፡ ኣግላልነትን ግጉይ ሓበሬታን፡ኣብ ልዕሊ ማሕበረ-ሰብ ዘሕድሮ ጽልዋ`ዩ ይብል።

“ኣብ 2022፡ ኣግላሊን ናይ ሓሶት ወረን ኣብ ማሕበረሰባት ምክፍፋልን ቅልውላውን ከባርዕ ምርኣይና ዝክሓድ ኣይኮነን። እዚ ድማ ሓዲሽ ተርእዮ`ዩ ክብሃል ይክኣል።"


ብሓይሊ ስልጣን ምጭባጥ`ውን ኣብ ልዕሊ ሃዋህው ሚድያ ፀቕጢ ፈጢሩ`ዩ። ኣብ ገሊኡ ድማ ብዓመታት ንዝተሃንጸ ናጽነት ሚድያ ጸራሪግዎ`ዩ።

ኣብ ማይንማር ዝተገብረ ዕልዋ፡ ንመሰል ሚድያ ናይታ ሃገር ን10ዓመታት ዓመት ንድሕሪት መሊስዎ። ጋዜጠኛታት ተኣሲሮም፡ ፍቓድ ሚድያ ተመንዚዑ፡ ብዙሓት ትካላት ዜና ድማ ናብ ስደተን ኣምሪሐን።

ኣብ ኣፍጋኒስታን፡ ጣሊባን ናጽነት ፕረስ ከኽብር`የ ኢሉ ከብቅዕ፡ ቀያዲ ሕግታት ብምውጻእ፡ ደቀንስትዮ ካብ ማዕበላት ፈነወ ከምዘልግሳ ጌሩ። ሚድያታት ናይ ምዝንጋዕ ኮነ ናይ ምውዕዋዕ ስራሕ ከይገብራ ምስ ተኣገዳ ፋይናንሳዊ ጸገማት ኣጋጢምወን።

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ምስቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝነበረ ኩናት፡ መራኸብታትን መስመራትን ብምዕጻዉ፡ ናጽነት ሚድያ ብ13 ነጥቢ ናብ 114 ደረጃ ወሪዱ፡። ኣር.ኤስ.ኤፍ እዛ ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ብጽገናዊ ለውጥታት ዝተዘርበላ ሃገር ብ13 ነጥቢ ክትወርድ ጽቡቕ ውጽኢት ኣይኮነን ይብል ።

ብሓፈሽኡ፡ኣብ ዙርያ ዓለም ምቁልቋል ናጽነት ፕረስን፡ ምልካዊ ስልትን ተጋፊሑ`ሎ ይብል፡ ክለይተን ወይመርስ፡“ተመሓላላፋይ ሳዕቤን`ዩ ካብ ምልካውያን ስርዓታት ዝመጽእ ዘሎ። ንጋዜጠኛታት ከከላብቱ ፡ ክኣስሩ፡ ኣብ ጽርግያ ክቐትሉ ከለዉ ስቕ ክብሃል ከሎ፡ ዘይተሓታትነት ባህሊ`ዩ ዝምዕብል። ባዕሎም እቶም ምልካውያን ንኽደግምዎ እዩ ዘተባብዕ ዘሎ፡ ብማዕዶ ክዕዘቡ ዝጸንሑ ካልኦት ምልካውያን ስርዓታት ድማ ልክዕ ከምኡ ክገብሩ ሓይሊ ንክስምዖም ይገብሮም ማለት`ዩ።"

ኣመሪካ ኣብዚ ዝርዝር ናጽነት ሚድያ፡ ካብ ናይ 2021 ቅሩብ ምምሕያሽ ኣርእያ`ላ። እንተኾነ ጋዜጠኛታትን ትካላት ሚድያን ንመንግስታት ክፍለ-ግዝኣታትን ንተቓውሞታትን ናይ ዜና ሸፈነ ከይንህብ ዕንቅፋታት ይገጥመና`ሎ ዝብል መረረት የቕርቡ`ለዉ።

ቤት ፍራንቸስኮ፡ ኣብ ትካል ሃገራዊ ፕረስ ክለብ ላዕለወይቲ ዳይሬክተር`ያ፡፡“እዚ ነቲ ቅሉዕ ሓበረታ ምሃብ ዘፍቅድ ሕጊ ዕሽሽ ምባል ክኸውን ይኽእል ወይ ብጌጋ ምትርጓም ክኸውን ከምዝኽእል ኢና ተገንዚብና ዘለና። ሓደ ጋዜጠኛ ኣብ ሓደ ፍጻመ ክሳተፍ ዝኽእልን ዘይክእልን ምዃኑ፡ ናይ ኣተረጓጉማ ፍልልይ ዘሎ ይመስል።"

ዶብ-ኣልቦ ሪፓርተራት ዝተባህለ ተሓላቒ ናጽነት ሚድያ ሎሚ ኣብ ዝወጸ ናይ 2022 ሪፖርቱ ደሞክራሲ ንናጽነት ፕረስ ሓለዋ ኣብ ምዃን ኣገዳሲ ተራ ኣለዎ፡ ናይ ሓሶት ወረን ፕሮፓጋንዳን እናወሰኸ ምኻዱ ግን ፡ኣብ ነጻ ሓበረታ ኣዕናዊ ሳዕቤናት የርኢ`ሎ ይብል ።

XS
SM
MD
LG