ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ግዳያት መጥቓዕቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ይዛረቡ


ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ህፃናት ዝርከቡዎም ኣስታት 200 ግዳያት ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ወጻኢ ሃገር ዝተኻየደ መጥቓዕቲ ኣብ ምብራቕ ጆሃንስብርግ ኣብ ዝርከብ ናይ ማሕበረሰብ ኣዳራሽ ተዓቒቦም ምህላዎም ተገሊጹ።

ማንዴላ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ዘይስሩዕ መዕቖቢ ይነብሩ ዝነበሩ ብዝተቖጥዑ ሰባት ዝተባረሩ ሰባት ኣብ ዝተዓቕቡሉ ኣዳራሽ ህፃናት ይፃወቱ፣ደቂ ኣንስትዮ ብዛዕባ ዘጋጠመን ዘሕዝን ፋፃመ የዋግዓ፣ደቂ ተባዕቲዮ ፀጥ ኢሎም ወይ ደቂሶም ይርኣዩ።

38 ዓመት ዝዕድሚኡ ኣቦ ሰለስተ ቆልዑ ዚምባቢያዊ ፊብዮን ማይምብድዛ እቲ ዘጋጠመ ክኣምን ኣይከኣለን።ህይወቱ ኣብ ሰናይ ድልየት ካልኦት ሰባት ዝተመስረተ ተስፋ ዝስኣነ ሰብ ምዃኑ ይዛረብ።

“መፂኦም ፈጥረቲ ሽግር ወፃእተኛታት ትድለዩ ኣለኹም ኢሎምና።እንታይ በዲልና እንተበልናዮም ኣንስትናን ስራሕናን ካብ ምምንጣል ካልእ የብልኩምን ይብሉና።”

ጓል 50 ዓመት ዚምባቢያዊ ፖሊተ ሞዮ ንሳን ካልኦት ወፃእተኛታትን ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰዓታት እንተ ዘይወፂኦም ህይወቶም ከምዝስእኑ ነበርቲ እቲ ከባቢ መጠንቀቕታ ከምዝሃቡዎምን ኩሉ ንብረተን ገዲፈን ከምዝሃደማ ይዛረባ።

በዓል ሓዳርን ኣቦ ወዲ ሽዱሽተ ወርሒ ህፃንን ማላዊ ከኒያስ ባንዳ እውን ፍርቂ ለይቲ ወዱ ተሸኪሙ ሃዲሙ ህይወቱን ህይወት ህጻን ወዱን ከምዘትረፈ ይዛረብ።

ካልኦት ግን ናይ ምምላጥ ዕድል’ውን ኣይረኸቡን።ኣይዛክ ሲቶል ዝተባህለ ዚምባቤያዊ ክሃድም ፈቲኑ ከቢቦም ምስ ሓዙዎ ቀጥቂጦም ብሓዊ ኣቃፂሎም ቀቲሎምዎ።በቲ ህውከት ካብ ዝተቐትሉ 12 ግዳያት ሓደ እዩ።

ኒኮላስ ተባሂሉ ክፅዋዕ ዝሓተተ ናይጀሪያዊ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ መጀመሪያ ካብ ዝወፁ ሓደ እዩ።ህይወተይ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ካብ ዝስእና ኣብ ዓደይ ከይደ ምሟት እመርፅ ይብል።መኪናታቱ፣ሽቑን ካልኦት ንብረቱን ብምሉኡ ከምዝስኣነ ገሊፁ።

መንግስቲ ነቲ መጥቓዕቲ ብምኹናን ደው ከብሎ እየ ኢሉ’ሎ።ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኣብቲ መጥቓዕቲ ዝተሳተፉ’ውን ተኣሲሮም ኣለው።መብዛሕቲኦም ዜጋታት ወጻኢ ሃገራት ግን ኣዚዩ ዝንኣሰን ዝደንጎየን ስጉምቲ እዩ ይብሉዎ።

XS
SM
MD
LG