ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ግዳያት መጥቃዕቲ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ዝዀኑ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ክልል ትግራይ


ኣብ መዓከራት ስደተኛታት ክልል ትግራይ ዝርከቡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን፡ ብሰንኪ’ቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ቀንዲ ተጠቃዕቲ ኰይኖም ኣለዉ። መሰኻኽር ዓይኒን ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራትን ከም ዘመልክቱዎ፡ መንበሪ መዓስከራት እቶም ስደተኛታት ገሊኡ ተደምሲሱ፡ በቶም ነቲ ከባቢ ዝቈጻጸሩ ተማዕደውቲ ሓይልታት ድማ ግዳይ ቅትለት፡ ዓመጽን ዝምታን ይዀኑ ምህላዎም ተፈሊጡ። ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ብዅሉ ኣካላት ግዳይ ዝዀኑ ዘለዉን ሓጋዚ ዘይብሎምን እቶም ስደተኛታት ምዃኖም ጸብጻባት ካብቲ ቦታ ይሕብሩ። ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸትድ ፕረስ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ኲናት ትግራይ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ክወርዶም ዝጸንሐ በብይኑ መጥቃዕታት ጸብጺቡ ኣሎ።

መዝሓሊ ነድሪ ክልቲኡ ኣንጻር ሓይልታት ምዃኖም ስደተኛታት ይጠርዑ። ንድጋፍ ሰራዊት ፈደራል ዝመጹ ሓይልታት ኤርትራ፡ ንስደተኛታት ኣጐሳቒሎም፡ ጨዊዮም ወሲዶም፡ መዓስከራት’ውን ከም ዘዕነዉ ይሕበር። ብወተሃደራት ኤርትራ ሰፊሕ ዕንወት ከም ዝወረዶም ሓይልታት ትግራይ’ውን፡ ድሒሮም፡ ተረፍ-ነድሮም ናብቶም ስደተኛታት ከም ዘውጽእዎ ገለ ካብቶም ስደተኛታት ይገልጹ።

እቲ ኲናት ቅድሚ ምጅማሩ፡ ኣስታት 50-ሽሕ ዝገመቱ፡ ካብ ምልኪን ገደብ-ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ዝሃደሙ፡ ስደተኛታት ኣብ ክልል ትግራይ ተዓቚቦም ምንባሮም ይፍለጥ። ብመሰረት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ትግራይ ኣብ ኣርባዕተ መዓስከራት ክነብሩ እንከለዉ፡ ካልኦት ኣስታት 42-ሽሕ ዝገመቱ ድማ ኣብ ካልእ ከባቢታት ኢትዮጵያ ተዘርጊሖም ዝነበሩ’ዮም።

ክልተ ካብተን መዓስከራት ስደተኛታት ኣብ ፈላሚ እዋን’ቲ ኲናት ድሕሪ ምፍራሰን፡ ደሃይ’ቶም ኣብኣተን ተዓቚቦም ዝነበሩ ስደተኛታት የሎን።

ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዝገበሩዎ መጥቃዕቲ፡ ንመዓስከራት ማይ-ዓይኒን ዓዲ-ሓሩሽን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም የእትዮመን ኣለዉ።

ካብ ነበርቲ ስደተኛታት መዓስከር ዓዲ-ሓሩሽ ንኣገልግሎት ዜና ኣሶሸትድ ፕረስ ከም ዝሓበሩዎ፡ ሓይልታት ትግራይ ልዕሊ 10 ዝበጽሑ ስደተኛታት ጨዊዮም፣ ናብ ገዛውቲ ብምእታው ድማ ሞባይላትን ካልእ ቀረባትን ዘሚቶም። ሓደ ስሙ ክዕቀበሉ ዝሓተተ ስደተኛ፡ ከምኡ ዝመስል ዝምታ መዓልታዊ የጋጥም ምህላዉ የመልክት።

ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ጨንፈር ኢትዮጵያ፡ ኣን ኮንትረ፡ ነቲ ዝፍጸም ዘሎ በደላት ኣትሪራ ኰኒና ነይራ። እታ ኮሚሸነር ኣብ መግለጺኣ፡ ብዛዕባ ሞት ሓደ ኤርትራዊ ስደተኛ ድሕሪ ምሕባራ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ግን ብፍርሒ ተሸቝሪሮም ናብ ዝኸዱዎ ሓርቢቱዎም ከም ዘሎ ኣመልኪታ።

ተኸታታሊ ጉዳያት ስደተኛታት ኢትዮጵያ’ውን ነቲ ፍጻመ “ጅሆ ከም ምሓዝ” ክብል ገሊጹዎ።

ሓይልታት ክልል ኣምሓራ፡ ዳግም መሬት ንምምላስ ንብዙሓት የዕጥቑሉ ኣብ ዘለዉሉ እዋን፡ እቲ መዓስከር ኣብ ተኣፋፊ ቦታ’ዩ ዘሎ። ከም ሓበሬታ ኣብ ዓዲ-ሓሩሽ ዝርከቡ ስደተኛታት’ውን ሓይልታት ትግራይ፡ ኣብቲ መዓስከር ኣጽዋር ከዚኖም ኣለዉ።

ሓላፊ ጉዳያት ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ፍሊፖ ግራንዲ ነቲ ኣብ ቀረባ ሰሙናት ዝተራእየ ማእሰርቲ “ኣማኢት” ኤርትራዊያን ኣብ ሽረን ካልእ ቦታታን ብትሪ ኰኒኑ። ብመሰረት መግለጺ ግራንዲ፡ ካብቶም ተቐናቐንቲ ሓይልታት፡ “ምስ ኣንጻር ወገን ምድንጋጽ ኣለኩም” ብዝብል ምስምስ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት መጭወይቲ፡ ማእሰርቲን መጥቃዕቲን ከም ዝወረደ ቤት-ጽሕፈቱ ጭቡጥ ሓበሬታ ረኺቡ’ዩ። እቲ ጸብጻብ እቲ ዓመጻት ኲናት ካብ ዝጀመረሉ ወርሒ ሕዳር ኣትሒዙ ክርአ ምጽናሑ ይውስኽ ።

ሓይልታት ትግራይ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ወሪዱ ዝተባህለ ግፍዒ ብምዅናን፡ ንሳቶም ግን ኣካሉ ከም ዘይኰኑ፡ ብሓሙስ መግለጺ ኣውጺኦም። ነዚ ጉዳይ ዝምልከት ንወሃብ-ቃል ኣቶ ጌታቸው ረዳ ንምርካብ ግን ኣይተኻእለን።

ሃለዋት’ቶም 9,200 ዝበጽሑ፡ኣብ መዓስከራት ሕጻጽን ሽመልባን ዝነበሩ ኤርትራውያን ዛጊት ኣይተፈልጠን። ኣብ ወርሒ ሕዳር ኲናት ድሕሪ ምጅማሩ፡ እተን መዓስከራት ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ’የን ኣትየን። ዳሕራይ ሰራዊት ኤርትራ ምስ ምንስሓቦምን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሓይልታት ትግራይ ድሕሪ ምእታወንን ድማ፡ ናይ ሕነ ምድፋይ ተርእዮ ከም ዝነበረ ነበርቲ ይሕብሩ። ብሰንኩ 10 ኤርትራውያን ካብቲ መዓስከር ውጽእ ኣብ ዝበለ ቤተ-ክርስትያን ተቐቲሎም።

“ኣዚና ስለ ዝፈራሕና ነቲ መዓስከር ገዲፍናዮ ሃዲምና። ሚሊሻ ትግራይ ግን ተኸቲሎምና” ይብል ኣብ መዓስከር ሕጻጽ ዝነበረ ሓደ ስደተኛ። “ምስ ኣርከቡና ቦምባ ደርብዮምልና። ኣነ ዝፈልጦም ሰባት እኳ ሽዑ ተቐቲሎም። ሰራዊት ኤርትራ ስለ ዘጥቅዖም ሕነ ክፈድዩ ዝደለዩ ይመስሉ።”

ካልእ ኤርትራዊ ስደተኛ’ውን ተመሳሳሊ ፍጻመ ከም ዝረኣየ ሓቢሩ። ዝባን ገደና ኣብ ዝብሃል ከባቢ ካብ 40 ክሳብ 60 ዝበጽሑ ምስኡ ዝጓዓዙ ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከም ዝተቐትሉ’ውን ካልእ ስደተኛ ይነግር።

ብመሰረት ካልእ ናይ ዓይኒ ምስክር ድማ ምስኡ ዝነበሩ ኣስታት ዓሰርተ ዝዀኑ መጓዕዝቱ፡ ብዕጡቓት፡ ከም ዝተቐትሉ ሓቢሩ። “ኣብ ህይወተይ ከምኡ ፈሪሐ ኣይፈልጥን፡” ይብል እቲ ስሙ ክዕቀበሉ ዝሓተተ ስደተኛ።

ነብሶም ከድሕኑ ዝሃደሙ ስደተኛታት፡ ብሓይልታት ትግራይ ተኣኪቦም ናብ መዓስከር ሕጻጽ ከም ዝምለሱ’ዮም ኰይኖም። ብመሰረት ሓበሬታ’ቶም ስደተኛታት እቲ ዝኸፍአ እዋን ድሕሪኡ ዝሰዓበ’ዩ: “ወርሒ ዝኸውን ዝብላዕን ዝስተን ኣይነበረን። ቆጽሊ ሸምጢጥና እናበላዕና ኢና ተሳሊና፡” ይብል ።

ብዙሓት ከም ዝጠቕሱዎ፡ ሓይልታት ትግራይ ንመዓስከር ሕጻጽ ኣብ ታሕሳስ ድሕሪ ምቍጽጻሮም፡ ናይ ስደተኛታት መግቢን ካልእን መንዚዖም። ኣብ ሽመልባ ዝነበሩ’ውን ተመሳሳሊ ዛንታ’ዮም ዝነግሩ። ኣብ ወርሒ ጥሪ፡ ኣብ እዋን ኲናት፡ 16 ስደተኛታት ከም ዝተቐትሉ የምልክቱ።

ብሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝተገብረ ዳህሳስ፡ እቲ ዝተባህለ ሞት 16 ስደተኛታት ደኣ ይረጋገጽ እምበር፡ ፈጸምቱ መን ምዃኖም ግን ምፍላይ ኣይተኻእለን።ነቲ መጥቃዕቲ “ብዕጡቓት ወገናት” ዝተፈጸመ ክብል ድማ ይገልጾ ።

ኣብ ወርሒ ጥሪ ሰራዊት ኤርትራ ንመዓስከር ሕጻጽ ድሕሪ ምቍጽጻሮም፡ ነቶም ኣብኡ ዝጸንሑዎም ኤርትራውያን ስደተኛታት ንኤርትራ ክምለሱ’ዮም ነጊሮሞም።

“ሰራዊት ኤርትራ፡ ብመገዲ ሸራሮ ኣቢልና ንኤርትራ ክንከይድ ሓቢሮምና። ኣብ ሸራሮ ምስ በጻሕና ኣብ ዓበይቲ ናይ ጽዕነት መካይን ክንስቀል ምስ ነገሩና፡ ኣነ ኣምሊጠ፡” ይብል ሓደ ካብቶም ኣብኡ ዝነበሩ ስደተኛታት።

ካልኦት ኣሽሓት ኤርትራውያን ድማ ብእግሮም ናብ ኤርትራ ክጓዓዙ ከም ዝተገደዱ መሰኻኽር ይገልጹ። ካብቲ ሃዲመምሉ ዝመጹ ጨቋኒ ስርዓት፡ ዝበኣሰ ከይስዕቦም’ውን ስለ ዝፈርሑ፡ ገሊኣቶም ድሮ ካብ ኤርትራ ሃዲሞም ናብ ትግራይ ተመሊሶም ኣለዉ።

ኣሶሴይትድ ፕረስ ነዚ ብዝምልከት ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ንሕቶኦም ከምዘይመለሰ ይገልጽ።

ሕጂ ኣብ አዲስ አበባ ዘሎ ኤርትራዊ ስደተኛ ከም ዝሕብሮ፡ ወተሃደራት ኤርትራ፡ ነቶም ስደተኛታት ክወጹ ድሕሪ ምእዛዞም፡ ላምባ ነስኒሶም ኣብ ሕጻጽ ዝነበረ ገዛውቲ ከቃጽሉዎ ብዓይኑ ከም ዝተዓዘበ ይገልጽ። ካብ መዓስከራት ሽመልባን ሕጻጽን ስደተኛታት ብሰራዊት ኤርትራ ተጨዊዮም ከም ዝተወስዱ ንኣሶሸትድ ፕረስ ሓቢሮም።

ብመሰረት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት፡ 7,300 ኣቢሎም ዝግመቱ ኣብ ሽመልባን ሕጻጽን ዝነበሩ ስደተኛታት ናብ ማይ-ዓይኒን ዓዲ-ሓሩሽን ግዒዞም’ዮም። ሕጂ ኲናት መሊሱ በርቲዑ፡ ሓይልታት ትግራይ ቦታታቶም ኣብ ዘምልሱሉ ዘለዉ እዋን ከኣ ውሕስነት እዞም ስደተኛታት ኣብ ዝኸፍአ ኣሎ።

ሓደ ስደተኛ ካብ መዓስከር ዓዲ-ሓሩሽ ኣብ ዝለኣኾ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ቴለፎን፡ ብስእነት መግቢ፡ ዋሕዲ ቀረባትን ከምኡ ድማ ብሓይልታት ትግራይ ቀጻሊ መጥቃዕታት ይወርዶም ከም ዘሎ ልኢኹ። “ስለ ፈጣሪ ካብዚ ክንወጽእ ሓግዙና፡” ድማ ይብል።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::



XS
SM
MD
LG