ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ግዝያዊ ዕርቂ የመን ገለ ጸገማት እንተቃለ'ዃ ሓደጋ ጥምየት ግን ኣብታ ሃገር የንጸላልው'ሎ


ካብ 2 ሚያዚያ ጀሚሩ ኣብ መላእ የመን ዝተበፅሐ ግዚያዊ ዕርቂ ንገሊኦም ፀገማት የቃልል እንተሃለወ እውን 19 ሚሊዮን ሰባት ብጥምየት ዝተጠቕዑ ካብኦም 160,000 ኣብ ገምገም ዓፀቦ ዝርከብሉ ሓደገኛ ቅልውላው መግቢ ከምዘለዋ ሰበስልጣን ሕቡራት ሃገራት ገሊፆም።

ኣብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ምውህሃድ ሰብኣዊ ሓገዝ ሕቡራት ሃገራት ግዚያዊ ዳይሬክተር ስርሒትን ሓገዝን ጋዳ ኤልታሂር ሙዳዊ ትማሊ ሰሉስ ጉዳይ የመን ንዝሰምዐ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት የመን ኣብ ቅልውላው እያ ዘላ ኢሎም።

ሰብኣዊ ቅልውላው የመን ከምቲ ቅድሚ እቲ ስምምዕ ከቢድ ኩነታት ኮይኑ ቀፂሉ ኣሎ።

"ሓቂ እዩ እቲ ቅልውላው ኣብ ቀረባ ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ክኸይድ እዩ።ኣብዚ ሕጂ እዋን ብፍላይ ትካላት ረድኤት ይቕፅል ብዘሎ ድልየት፣ምፅባብ ሃዋህው ሰብኣዊ ሓገዛትን ምንቁልቋል በጀትን ስኽፍታታት ኣለዎም ነዞም ንምፍታሕ ድማ ህፁፅ ስጉምቲ ክንወስድ ኣለና’’ ኢሎም።

ኣብ መንጎ ብስዑዲ ዝምራሕ መንግስቲ የመንን ብኢራን ዝደገፉ ዕጡቓት ሑቲን ዝተበፅሐ ግዚያዊ ስምምዕ 2 ሰነ 2022 ተሓዲሱ ኣሎ።

ኣብ የመን ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ሃንስ ግራንበርግ ዛጊት እቲ ስምምዕ ካብ ዝፍረም ኣብ ውሽጢ የመን ደብዳብ ነፈርቲ ተፈፂሙ እንተኾይኑ መረጋገፂ የለን ኢሎም ።

XS
SM
MD
LG