መቐለ —
ንስምምዕ ፕሪቶሪያ ስዒቡ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ዝግበር መሰጋገሪ መንግስቲ ንምቛም ኣብ መቐለ ሎሚ ዓውደ-ዘተ ተጀሚሩ።
እቲ ዋዕላ ብኣካያዲ እቲ መጣየሲ ኮሚተ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ዝምራሕ ኰይኑ፡ ኣብዚ ዋዕላ ብድምጺን ዘይድምጺን ንኽሳተፉ ኣስታት 400 ኣካላት፡ ውድባት፡ በርገሳውያን ማሕበራትን ካልኦት ሰብ-እጀታን ንኽሳተፉ ዕድመ ተገይሩሎም። እዚ ንኽልተ መዓልታት ዝቕጽል ዋዕላ ንልኡኽን ኣወዳድባን እቲ ዝጣየስ መሰጋገሪ መንግስቲ፡ ክፍፍል ስልጣንን ንዝመጽእ ካቢነ ዝህሉ ቅርጺን ክዝቲ መደብ ወጺኡ ኣሎ። እቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ካብ ሽዱሽተ ወርሒ ክሳብ ሓደ ዓመት ገደብ ስልጣን ዝህሉዎ ኰይኑ፡ ድሕሪኡ ብምርጫ ዝመጽእ ምምሕዳር ክርከቦ መደብ ከም ዘሎ’ውን ኣብቲ ናይ ሎሚ ዋዕላ ተሓቢሩ።
እንተዀነ ኣብዚ ሎሚ ጀሚሩ ዘሎ ዋዕላ፡ ብሕልፊ ኣብ ክልል ትግራይ ዝነጥፉ ውድባት ዕድመ ቀሪቡሎም እኳ እንተ ነበረ፡ እቲ መድረኽ ሻራዊ’ዩ ብምባል ከም ዝተቓወሙዎን ዘይሳተፉን ኣመልኪቶም ኣለዉ።