ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ግዙፍ ኩባንያ ቴክኖሎጂ ቻይና ዋዌ ኣስታት 3 ሚልዮን ኣፍሪቃዊያን መናእሰይ ከሰልጥን ከምዝደልይ ገሊጹ


ግዙፍ ኩባኒያ ቴሌኮምኒኬሽን ቻይና ዋዌ ከም ኣርቲፊሽሳል ኢንተለጀንስ ዝኣመሰሉ ዘመናዊ ቴክኖሎጂታት ሓዊሱ ብዲጂታዊ ቴክኖሎጂ ክሰርሑ ኣስታት ሰለስተ ሚሊዮን ኣፍሪካዊያን መናእሰይ ከሰልጥን ከምዝደሊ ገሊፁ።

ድሮ ብዋዌ ኣብ ዝተመወለ ውድድር ዝተሳተፉ ናይጀሪያዊያን ተማሃሮ ኣብቲ ኩባኒያ ስራሕ ምቑፃር ሓዊሱ ዝፈጠሮ ዕድል ብዙሕ እዩ ኢሎም። ክኢላታት ግን እዚ እንዳዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ናይ ቴክኖሊጂ ፅልዋ ቻይና ኣሉታዊ ተፅዕኖ ክህልዎ ከምዝኽእል የጠንቅቑ ።

ዋዌ ሰበስልጣን ኡጋንዳን ዙምባቤን ኣብ ልዕሊ መወዳድርቶም ክስልዩ ሓጊዝዎም እዩ ንዝብል ፀብፃብ ዘ ዎል ስትሪት ጆርናል (The Wall Street Journal) ነፂጉዎ ኣሎ፤ንቃለ ምልልስ ክቐርብ ተሓቲቱ ግን ኣይተቐበሎን።

ዋዌ ን70 ሚእታዊት ቴሌኮምኒኬሽን ኔትዎርክ ኣፍሪቃ ከምዝተቖፃፀሮ ይንገር።

XS
SM
MD
LG