ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መግለጺ ግንባር ነጻነት ኦሮሞ ኣብ ጉዳይ ፈለግ ኣባይ


ኣቶ ዳውድ ኢብሳ
ኣቶ ዳውድ ኢብሳ

ግንባር ነጻነት ኦሮሞ ጉዳይ ፈለግ ኣባይ ናትና ጉዳይ'ውን'ዩ ዝብል መግለጺ ኣውጺኡ።

ማእከላይ ኮሚቴ’ቲ ግንባር ንሰለስተ መዓልታት ጉባኤ ድሕሪ ምክያድ ንመጻኢ ዝኸውን መደባትን ውሳነታትን ከምዘሕለፉ ኣቦ መንበር'ቲ ውድብ ኣቶ ዳውድ ኢብሳ ገሊጾም።

ኣቶ ዳውድ ኢብሳ ኦነግ ብሰላማዊ መንገዲ ንምቅላስ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝኣቱ ንድሓር ብፖለቲካ ኮነ ኣብ አጠቓላሊ ምንቅስቓሳቱ ከጋጥሙ ዝጸንሑ ጸገማት፣ ዝነበሩ ጉድለታትን ሓያል ጎንታትን ብምግምጋም ኣንፈት ጉዕዞ ኣቐሚጥና ኣለና ኢሎም ።

ንጉዳይ ፈለግ ኣባይ ኣብ ዝምልከት ግንባር ነጻነት ኦሮሞ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ኮይኑ ካብኡ ዝጽበ ግዴታ ንምፍጻም ቅሩብ ምዃኑ'ውን መራሕቲ'ቲ ውድብ ኣፍሊጦም ኣለዉ።

ብዛዕባ ኣብ ዓለምና ዓቢይ ናይ ጥዕና ስግኣት ፈጢሩ ዘሎ ኮሮናቫይረስ ድማ ዝርግሓኡ ንኸይውስኽ ሚንስትሪ ጥዕናን ኢንስቲቱት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያን ዝሰርሕዎ ዘለዉ ስራሕ ብዝሓየለ ንክቕጽልኦነግ'ውን ብጽሒቱ ክፍጽም'ዩ ዝበለ መግለጺ ኦነግኣብ ምልእቲ ሃገር እኹል መረዳእታ ክበጽሕ ከምዘለዎ'ውን ኣዘኻኺሩ'ሎ።

XS
SM
MD
LG