አዲስ አበባ —
ግንባር ሓርነት ኦጋዴን፡ ኣብ ፖለቲካዊ ባይታ ኢትዮጵያ ከም ሃገራዊ ፓርቲ ኾይኑ ከም ዝምዝገብ ኣፍሊጡ። ኣቦ-መንበር`ቲ ግንባር ዓብዱራሕማን ሸይካዲ፡ ህዝቢ ብሄረ-ሰብ ሶማል፡ ንዝሓለፈ ሓደ ክፍለ ዘመን፡ ካብ ተሳትፎ ኢትዮጵያ ከም ዝግለል ተገይሩ ጸኒሑ`ዩ ድሕሪ ምባል፡ እዚ ኣካይዳ`ዚ ከብቅዕ ኣለዎ፡ ካልኦት ህዝብታት ኢትዮጵያ`ውን ከምኡ ብማዕርነት ዝሳተፍሉ ባይታ ክህሉ የገድሰና`ዩ ኢሉ።
ኣብ ክልል ሶማል ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘካይድ ዝነበረ ኦ ኤን ኤል ኤፍ፡ ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ተወዳዳሪ ፓርቲ ኮይኑ ክምዝገብ ኣብ ታሪኹ ንመጀመርያ ግዜ`ዩ።