ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ግብጽን ሱዳንን ንሽዱሽተ መዓልታት ዘካየድኦ ወታሃደራዊ ልምምድ ምዝዛሙ ተገሊጹ


ፋይል
ፋይል

ግብጽን ሱዳንን ንሽዱሽተ መዓልታት ዘካየደኦ ሓባራዊ ታዕሊም ሓይሊታት ኣየር፣ ኣጋርን ባሕሪን ትማሊ ሶኑይ ዛዚመን።

እቲ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ታዕሊም፣ ነቲ እናሓየለ ዝመጽእ ዘሎ ጸጥታዊ ርክበን ዘርአየን፣ ምስ ኢትዮጵያ አብ ውጥረት ኣብ ዝኣተዋሉ እዋን ዓቅመን ንምርኣይ ከምዘኽኣለን እቲ ዜና ይገልጽ። እቲ ምስሕሓብ ብሰንኪ’ቲ ኢትዮጵያ ትሃንጾን ዘይተዛዘመን ግድብ ህዳሴ ዝተበገሰ እዩ።

ኣዘዝቲ ስታፍ ግብጽን ሱዳንን፣ ነቲ ጥቃ ካርቱም ኣብ ዝርከብ ወትሃደራዊ ካምፕ ዝተካየደ ታዕሊም ሰራዊታት ክልቲኤን ሃገራት ተዓዚቦምዎ እዮም። ናይ ካርቱምን ካይሮን ዕርቂ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ። ኣብ ልዕሊ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ይካየድ ዝነበረ ልዝብ ሰለቲኤን ሃገራት፣ ዝሓለፈ ሚያዝያ ከምዝተቋረጸ ዝዝከር እዩ።

XS
SM
MD
LG