ዋሽንግተን —
መራሒ ግብጺ ፕረዚደንት ዓብደልፈታሕ ኣል-ሲሲ፣ ዋዕላ መራሕቲ ሓሙሽተ ሃገራት ዓረብ ምትእንጋዶምን፣ ብመንጽር ውግእ ዩክሬን ኣጓኒፉ ዘሎ ቅልውላው መግቢን ጸዓትን ቀንዲ ካብ ኣጀንዳ'ቲ ዋዕላ ምዃኑ ተገሊጹ'ሎ።
ኣብ’ቲ ዋዕላ ዝተሳተፉ፣ መራሕቲ ግብጺ፣ኢማራት፣ ዒራቅ፣ ዮርዳኖስን ባህረይንን እዮም።
እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፣ 4.2 ቢልዮን ዶላር ዝዋግኡ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ፣ ጠንቂ ዞባዊ ምስሕሓብ ኮይኑ ከምዘሎ ዝዝከር እዩ። ኣብ የመን፣ ሶርያ፣ ሊብያን ዘሎ ውግእ፣ ከምኡውን ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍልስጤማዊያንን ዘሎ ግጭት’ውን ኣጀንዳ እቶም መራሕቲ ክኸውን'ዩ ተባሂሉ ይግመት።