ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ግብጺ: ካብ ሱሉሳዊ ናይ ቴክኒክ ጉጅለታት ልዝብ ግድብ ህዳሴ ምስሓባ ተገሊጹ


ብዛዕባ ህዳሴ ግድብ ልዝባት ቴክኒካዊ ኣካላት ኣብ ዝቐጸለሉ እዋን፥ ናይ ግብጺ ቴክኒካዊ ጉጅለ ንውሽጣዊ ምኽክር ብዝብል ካብቲ ልዝብ ከም ዝሰሓበ ተሓቢሩ። እቲ ናይ ግብጺ ቴክኒካዊ ጉጅለ፡ ነቲ ዲጋ ንምምላእ ዝምልከት ኢትዮጵያ ዘቕረበቶ ሓዲሽ ንድፊ፥ ነቲ ስራሕ ዝምልከት መምርሕታትን ሕጋዊ ኣገባባቱን ኣብ ግምት ዘእተወ ኣይኮነን ከም ዝበለ`ውን ተጠቒሱ`ሎ።

ብዛዕባ’ዚ ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ወጻኢ ኢትዮጵያ ጉዳያት ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ፥ ግብጽን ሱዳንን ነቲ ብኢትዮጵያ ዝቐረበ ንድፊ ግዜ ወሲድና ክንርእዮ ኢለን ከም ዝወጻ ሓቢሩ`ሎ። ኣተሓሒዙ ዝቕጽል ልዝብ ድማ ከምቲ ተሓሲቡ ዘሎ ዝመጽእ ሰኑይ ነሓሰ 10 ክቕጽል ድማ ተስፋ ንገብር ኢሉ`ሎ።

ግድብ ህዳሴ ነዚ ዓመት ዝተመደበሉ ዓቐን ማይ ድሮ ከም ዝሓዘ ክግለጽ ጸኒሑ`ዩ።

XS
SM
MD
LG