ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ግብጺ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነብሩ ነቐፍቲን ጠበቓታትን ኣገልግሎት ከይረኽቡ ትኽልክል


ሰበ-ስልጣን ግብጺ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ንዝነብሩ ጋዜጠኛታት፡ ነቐፍትን ጠበቓታትን ፓስፖርትን ሰነዳት ልደትን ምሃብ ወይ ምሕዳስ ከም ዘኣበዩ፡ ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ሁማን ራይትስ ዋች ኣፍሊጡ።

እቲ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት መንግስቲ ግብጺ ከምኡ ምግባሩ ነቶም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነብሩ ነቐፍቲ`ውን ንምቕጻዕን ንምዕባስን`ዩ ይብል።

ሁማን ራይትስ ዋች ን26 ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነብሩ ግብጻውያን ከምዘዘራረበን እቶም ተኸልኪሎም ዘለዉ ድማ ኣብ ቱርኪ:ጀርመን: ማላይሽያ: ቐጠር ከምኡ `ውን ኣብ ክልተ ሃገራት ኣፍሪቃን ወሽመጥን ዝነብሩ ምዃኖምን ጠቒሱ`ሎ።

ብመሰረት ኣሶሴይትድ ፕረስ ሰበ-ስልጣን ግብጺ ብዛዕብኡ ርእይቶ ክህቡ ተሓቲቶም ምላሽ ኣይሃቡን።

ኮሚቴ ድሕነት ጋዜጠኛታት ሲ.ፒ.ጄይ ብወገኑ፡ ንግብጺ ጋዜጠኛታት ብምእሳር ድሕሪ ቻይናን ቱርክን ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ይሰርዓ።

XS
SM
MD
LG