ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ግብጺ፡ ንዓለምለኸ መንጎኝነት ኣብ ልዝብ ግድብ ህዳሴ ትጽውዕ፡ ኢትዮጵያ ብወገና ንመርገጺ ግብጺ ትነጽግ


ግብፂ ኣብ ጉዳይ ዓብዪ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ዝካየድ ዘሎ ሱሉሳዊ ልዝብ ዘድልይ ምዕባለ ብዘይምርካቡ ዓለምለኸ ሸምግልና(መንጎኝነት) ክሕወሶ ፀዊዓ።ኢትዮጵያ ብወገና ግብፂ ዝሓዘቶ መርገፂ ንናይ ኢትዮጵያ ቀይሕ መስመር ዝጥሕስ እዩ ክትብል ነፂጋቶ’ላ።

ኣብ ኣብ ማእከል ስትራትጀያዊ መፅናዕቲ ኣፍሪቃ ዳይረክተር ክፍሊ ምርምር ዝኾኑ ጆሴፍ ሲየገል ግብፂ እቲ ልዝብ ፖለቲካዊ መልክዕ ትሕዞ ኣላ ይብሉ።

“ግብፂ ነቲ ልዝብ ናብ ፖለቲካዊን ዓለምለኻዊን መድረኽ ከተማዕብሎ ትፍትን ዘላ ትመስል።ኣብቲ ልዝብ ይሳተፋ ዘለዋ ግብፂ፣ሱዳንን ኢትዮጵያን እቲ ግድብ ምምልኡ ክቕፅል ከምዘለዎን ኣብ ቴክኒካዊ ነገራትን ዝምልከት ድማ ንዓመታት ሃናፂ ዝርርብ ከካይዳ ፀኒሐን እየን።... ግብፂ ሎሚ እቲ ጉዳይ ፖለቲካዊ ማእዝን ክሕዝ ትደሊ’ላ።”

ኣሜሪካ ኣብ መንጎ ሰለስቲአን ሃገራት ዝቐፀለ ልዝብን ምትሕብባርን ከም እትድግፍ ኣብ ቀረባ ገሊፃ እያ።እቲ ወጥሪ ንምህዳእ ኣሜሪካ ክህልዋ ብዛዕባ ዝኽእል ተራ ዝተሓተቱ ሲየገል ከምዚ ይብሉ።

“ኣሜሪካን ካልኦት ዓለምለኸ ተዋሳእትን ናብ ፖለቲካዊ መዳይ ናይዚ ልዝብ ክኣትው የብሎምን።ግብፂ ዓለምለኸ ተዋሳእቲ ናብቲ ልዝብ ብምስሓብ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ፀቕጢ ብምግባር ዝሓሸ ውፅኢት ክትረክብ እያ ትደሊ።ስለዚ ንኣሜሪካ ሓዊሱ ናይ ደገ ተዋሳእቲ ትኹረቶም ኣብቲ ልዝብ ዝካየደሉ ዘሎ ቴክኒካዊ ጉዳያት ክገብሩ ኣለዎም።”

ኣብ ፓርላማ ግብፂ ኮሚቴ ጉዳያት ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዲፕሎማሲያውን ፖለቲካዊን ፀቕጢ ንምሕያል ኩሉ መሳርሒታት ክጥቀም እየ ኢሉ’ሎ።ንናይ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ኣብ ካይሮ ናብ ፓርላማ ብምፅዋዕን ብምንጋርን እቲ ፅቕጢ ከምዝጀምር ተፈሊጡ’ሎ።እዚ ፀቕጢ ናብ ወታሃደራዊ ረፅሚ’ዶ የምርሕ? ንዝብል ሲየገል ከምዚ ክብሉ ይምልሱ።

“ሓቒ እዩ።ካብ ግብፂ ቕልጡፍ ምዕባለታትን መደረታትን ንርኢ ኣለና።ብወገን ግብፃዊያን እቲ ናይ ልዝብ ኣካይዳ ንምቕያርን ናይ ምውፃእን ስትራተጂያዊ ምልክታት ተርኢ ኣላ።ወታደራዊ ግጭት ኣይህሉን ኢልካ ምድምዳም ዝክኣል ኣይመስለንን።ግጭት ዝህልው ግን ኣይመስለንን።ፕረዚደንት ኤል-ሲሲ ቅድም ክብል ብወታሃደራዊ ስጉምቲ ዝፍታሕ ኣይኮነን ምባሎም’ውን ይዝከር።”

ንሶም ብምውሳኽ ግብፂ ንገለ ኣብ ኢትዮጵያ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ሓይልታት ብምሕጋዝ ነታ ሃገር ናይ ዘይምርግጋእ ስራሓት ክትሰርሕ ትኽእል እያ ይብሉ።ኢትዮጵያ ብወገና ሕነ ክትፈድን ካልኦት ፀገማትን ክሰዕብ ዝኽእል እዪ ይብሉ ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ግብፂ ኣብ ኣመላልኣ ማይ ዓብይ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ዝሓዘቶ መርገፂ ንናይ ኢትዮጵያ ቀይሕ መስመር ዝጥሕስ እዩ ክብል ሚንስትር ኢንርጂ ኢትዮጵያ ገሊፁ።

ቤት ፅሕፈት ኣተሓባባሪ ተሳትፎ ህዝቢ ግድብ ህዳሴ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ ኣብዘካየዶ ናይ ምኽክር መድረኽ ኣብ ሚንስትሪ መስኖ ማይን ኢነርጅን ኣማኻሪ ጉዳይ ተሳገርቲ ዶብ ፈለጋት ኣቶ ተፈራ በየነ ግብፂ ኣብ ዓመት 40 ቢሊዮን ሜትሪክ ክዩብ ማይ ክስደደላን ግድብ ኣስዋን ካብ ፀፍሒ ባሕሪ ናብ 165 ሜትሮ ክወርድ ከሎ ኢትዮጵያ ማይ ክትሰድድ ኣለዋ ዝብል ከምኡ እውን ኣብቲ ልዝብ ሳልሳይ ወገን ክኣትው ኣለዎ ምባላን ብወገን ኢትዮጵያ ናይ ህልውናንን ልኡላነትን ጉዳይ ብምዃኑ ውዱቕ ኮይኑ’ሎ ኢሎም።

ግብፂ ኣብ ካርቱም ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ እውን ዘየረዳድኡ ኣጀንዳታት ብምቕራባ ምርድዳእ ከምዘይተኽኣለ ገሊፆም።

ግብፂ ኣብ ኣመላልኣ ማይ ዓብዪግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ተቕርቦም ዘላ ሓሳባት ምቕባል ማለት ንናይ ሎሚ ወለዶ ጥራሕ ዘይኮነስ ንናይ ኢትዮጵያ ቐፃሊ ወለዶ ዝጎድእ ስለዝኾነ ተቐባልነት የብሉን ኢሎም።

ህንፀት ናይቲ ግድብ 68.56 ሚእታዊት ከምዝተዛዘመ ይፈልጥ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።



XS
SM
MD
LG