ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ግብጺ ንኤርትራውያን ምጥራዛ ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ይዅንን


ግብጺ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙናት 31 ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ ብዘይ ፍቓዶም ናብ ኤርትራ ምምላሳ ኣዝዩ ከም ዘተሓሰስቦን ንዓለማዊ ውዕላት ዝጥሕስን’ዩ ክብል ኣብ ሎንደን ዝመደበሩ ዓለምለኸ ተሓላቒ ትካል ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ገሊጹ። ከም ሓበሬታ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ፡ ካልኦት ተወሰኽቲ 50 ኤርትራውያን’ውን ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ግብጺ ንምስጓግ ይዳለዉ ምህላዎም ድሕሪ ምምምልካት ግብጺ ነቲ ሓሳብ ከተቋርጾ ኣምንስቲ ጸዊዑ ኣሎ።

ትካል ኣምንስቲ ቅድሚ ሕጂ ናብ ኤርትራ ዝተመልሱ ሓተትቲ ዑቕባ፡ ምክልባትን ማእሰርቲን ከም ዝጽበዮም ድሕሪ ምጥቃስ፡ ግብጺ ንዝፈረመትሉ ውዓላት ከተኸብርን ነቲ ተግባራት ደው ከተብሎን ኣተሓሳሲቡ።

ከም ሓበሬታ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣስታት 21-ሽሕ ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ ኣብ ግብጺ ክህሉዉ እንከለዉ፡ መብዛሕትኦም ግን መሰረታዊ መሰላት ስደተኛታት ከም ዝንፈጎም ጠቒሱ።

XS
SM
MD
LG