ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ግብጺ፡ ንቅዋማዊ ምምሕያሽ ሪፈረንደም ከተካይድ'ያ


ግብፂ ናይታ ሃገር ሕገ መንግስቲ ፕረዚደንት ዓብደልፋታሕ ኣልሲሲ ክሳብ 2030 ኣብ ስልጣን ክፀንሑ ዝፈቅድ ንሰለስተ መዓልታት ዝፀንሐ ሃገራዊ ረፈረንደም ፅባሕ ቀዳም ክትጅምር እያ።

ፓርላማ እታ ሃገር ሪፈረንደም ክኻየድ ዝሓለፈ ሶሉስ ውሳነ ምሕላፉ ተፈሊጡ’ሎ።እቲ ሪፈረንደም ተራ ወታደራዊ ሓይሊ ናይታ ሃገር ዘሐይል እዩ እውን ተባሂሉ’ሎ።እቲ ሕገ መንግስታዊ ምምሕያሽ ኣብ ግብፂ ነፃነት ብዝገደደ ክዕፍን እዩ ብዝብል ዘለዎም ስኽፍታታት ዝገልፁ ብዙሓት እዮም።

ብዲሞክራሲያዊ ምርጫ ዝተመዘዙ ፕረዚደንት መሓመድ ሞርሲ ኣብ 2013 ብመፈንቅለ መንግስቲ ካብዝባረሩ ኤል-ሲሲ ኣብ ስልጣን ይርከቡ።ካልኣይ ናይ ስልጣን ዘመኖም ድማ ኣብ 2022 ከብቕዕ’ዩ።

መራሕቲ ተቓወምቲ ግን እቲ ምምሕያሽ ሕገ መንግስቲ ናይ ኤል-ሲሲ ውልቀመላኽነት ዘርእይ’ዩ ክብሉ ወሃብቲ ድምጺ ነቲ ምምሕያሽ ክነፅጉዎ ይፅውዑ ኣለው።

XS
SM
MD
LG