ዋሽንግተን —
ኣብ ግብጺ ሓደ ዶክተር፥ ብዛዕባ ድኹም ስርዓተ-ጥዕና`ታ ሃገር ጽሑፍ ብምውጽኡ ከም ዝተኣሰረ ኣሶሸይትድ ፕረስ ጸብጺቡ። ከምኡ`ውን ሓደ ጋዜጠኛ ብዛዕባ ትኽክለኛነት ቁጽሪ ብቫይረስኮሮና ዝተታሕዙ ሰባት ብምሕታቱ ካብ ገዝኡ ከምዝተወስደን፥ ሓንቲ ነብሰ-ጾር ሰበይቲ ድማ፥ ቴለፎና ካልእ ሰብ ንቫይረስኮሮና ክሕብር ምስ ተጠቐመሉ ከም ዝተታሕዘት ወሲኹ ጸብጺቡ`ሎ።
ብመሰረት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት እቲ ቫይረስ ካብ ዝርኣይ ጀሚሩ ዛጊት 10 ዶክተራትን ሽዱሽተ ጋዜጠኛታትን ተአሲሮም- ። ግብጺ ካብ ዓረባዊ ዓለም ዝበጽሑ ብቫይረስኮሮና ዝተታሕዙ ከምዘለውዋ ይግለጽ- ልዕሊ 76,000 በቲ ቫይረስ ዝተታሕዙ ዝሞቱ ድማ ልዕሊ 3,000 ሺሕ መዝጊባ`ላ።