ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ግብጺን ሱዳንን ንኻልኣይ ገጽ ምምላእ ሓጽቢ ሕዳሴ  ተቓውመአን ኣስሚዓን


ኢትዮጵያ ንኻልኣይ እብረ ምምላእ ሓጽቢ ሕዳሴ ክትዳሎ እንከላ፡ ሱዳንን ግብጺን ግን እቲ ውሳነ ናይ ሰለስቲአን ሃገራት ስምምዕ ዘይብሉ ብምዃኑ፡ ኣብ ባይታ ንዘሎ ወጥሪ ዘጋድድ’ዩ ክብላ ተቓዊመን።

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ንሓሙስ ክራኸብ ኣብ ዝዳለወሉ ዘሎ እዋን፡ ግብጺን ሱዳንን ስምዕታአን ከቕርባ ይቀራረባ ኣለዋ። ክልተአን ሃገራት ንኻልኣይ ገጽ ምምላእ እቲ ሓጽቢ ኣመልኪተን፡ ብሰኑይን ሰሉስን ካብ ኢትዮጵያ ሓበሬታ ከም ዝረኸባ ኣፍሊጠን።

ብወገን ኢትዮጵያ ንምምላእ ማይ እዚ ሓጽቢ ኣመልኪቱ ዝተወሃበ ወግዓዊ መግለጺ ዛጊት የሎን።እንተኾነ ግን ግን ሓደ ስሙ ክዕቅበሉ ዝሓተተ ላዕለዋይ በዓል-ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሃገሩ፡ ኣብቲ ዝናብ ዝበዝሓሉ ወርሓት ሓምለን ነሓሰን ክትመልእ ትዳሎ ከም ዘላ ሓቢሩ።

ሚኒስተር መስኖ ግብጻዊ ዓብደል ኣትይ፡ ሃገሩ፡ ነቲ ብኢትዮጵያ ክውሰድ ተወጢኑ ዘሎ መደብ ብትሪ ከም እትቃውሞ ድሕሪ ምግላጽ፡ “ንኣህጉራዊ ስምምዓትን ብኹላተን ሃገራት ዝተፈረመ ውዕል ተፋሰስ ማያት ኒል ዘፍርስን” ክብሉ ኮኒኖሞ ኣለዉ።

ሱዳን ብወገና፡ ብመገዲ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ፡ “ንኣህጉራዊ ውዕላት ዝጥሕስ፡ ተዃታዂ ውሳነ” ክትብል ገሊጻቶ።

ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ክልቲአን ሃገራት፡ ክልተ መዓልታት ቅድሚ ምጅማር ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ኒው-ዮርክ ተራኺቦም ነይሮም። ድሕሪ’ቲ ርክብ ኣብ ዘውጽኡዎ ሓባራዊ መግለጺ ድማ ነቲ ውሳነ ኣትሪሮም ከም ዝቃወሙዎ ብምግላጽ፡ ኢትዮጵያ በቲ ውዕላት መታን ክትቅየድ፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ድርኺት ክገብር ተማሕጺኖም።

ርክብ ባይቶ ጸጥታ ብጻውዒት ዘይቀዋሚት ኣባል ቱኒዝያ ዝካይድ ዘሎ’ዩ። ቱኒዝያ ንሃገራት ዓረብን መርገጺ ግብጺን ሱዳንን ክትውክል እንከላ፡ ኢትዮጵያ ግን ተቓውሞኣ ነቲ ኣኼባ ገሊጻ ኣላ። ተወካሊ ኢትዮጵያ ክርከብ ግን ትጽቢት ይግበር።

ብቱኒዝያ ኣብ ዝተነድፈ እማመ፡ ሰለስቲአን ሃገራት ናብ ልዝብ ተመሊሰን፡ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ናብ ቀያዲ ስምምዕ ከብጽሓ ዝጽውዕ’ዩ። እቲ እማመ፡ ኢትዮጵያ ሓይሊ ኤለትሪክ ናይ ምምንጫው ዓቕማ ብምሉእ ክትጥቀመሉ ዘውሕስ ኮይኑ ኣብ ተፋሰስ ኒል ዝርከባ ሃገራት ከኣ ብማዕረ ጸጋታት ማይ ናይ ምጥቃም መሰለን ዘረጋግጽ ምዃኑ ይጠቅስ።

ሰለስቲ ኣን ሃገራት ንግጭት ካብ ዝዕድም ውሳነታት ክቝጠባ እቲ ብቱኒዝያ ዝቐረባ ንድፊ ይምሕጸን። ንመሪሕነት ባይቶ ጸጥታ ኣብ ወርሒ ሓምለ ዝተረከበት ፈረንሳይ ግን፡ እቲ ባይቶ ንኸምዚ ዝመስል ምትፍናን ነባሪ ፍታሕ ክረኽበሉ ክጽገም ስለ ዝኾነ እቲ ምሽምጋል ብመገዲ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ክኸውን ኣቐዲማ ኣፍኢማ ነይራ።

ብኻልእ ዜና ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ንጉዳይ ሓጽቢ ሓዳሴ ኣመልኪቱ ነቲ ብጠለብ ቱኒዝያ ክከይድ ተወጢኑ ዘሎ ርክብ፡ ኣመልኪቱ ንወካሊት ሓንቲ ካብተን ዘወርቲ ኣባላት ሃገራት ዝኾና ኣየርላንድ፡ ምስ ጋዜጠኛ ረድዮ ድምጺ ኣመሪካ ሓጺር ዝርርብ ኣካይዳ ነይራ።

ኣምባሳደር ጀራልንዲን በይረስን ነሰን፡ ኣብቲ ኣጋጣሚ ፍሉይ መኽፈቲ ወይ ድማ ዳሕራይ ድምጺ ክህሉ ድዩ ንዝብል ሕቶ ጋ ከምዚ ክብላ ይምልሳ፤ "ነዚ ወሳኒ ኣርእስቲ ተራኺብና ክንዛተ ቅሩባት ኣለና ክብል እኽእል። ንኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነስ እንኮላይ ንግብጺን ሱዳንን እዚ ጉዳይ ኣመና ኣገዳሲ’ዩ። ሚኒስተራት እዘን ሃገራት’ውን ኣብዚ ከተማ መጺኦምምስ ድሮ እኳ ብውልቂ ተራኺብና ኣሎና። ወኪል ግብጺ ነቲ ብቱኒዝያ ዝቐርብ ንድፊ ሚዛን ክንህቦ ተማሕጺኑና ኣሎ። ባይቶ ጸጥታ እንታይ ይገብር ከኣ ብሓንሳብ ዝርአ’ዩ። ዋላ’ኳ እዚ ጉዳይ ብሰላም ክፍታሕ ተስፋና እንተኾነ፡ እቲ ዝርርብ ብመገዲ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ክግበር ምስ ዝኽእል ግን ዝያዳ ውጽኢት ምሃበ: ነዊሕ ግዜ ዘድልዮ ምይይጥ’ዩ። እቲ ወሳኒ ግን ሰለስቲኣን ኣካላት ኣብ ስምምዕ ክበጽሑ ኣዳልዪ’ዩ። እቲ ቀንዲ ጉዳይ ግን ኩላቶም ወገናት ወጥሪ ከተሃዳድኡ ክሰርሑ ምጽዋዕ’ዩ። ንምምላእ ካልኣይ ገጽ ኣመልኪቶም ግብጺን ሱዳንን ዘርኣዩዎ ግብረ-መልሲ ንርእዮ ኣሎና። ስለዚ ከኣ’ዮም ሰለስቲኣን ወገናት ኣብ ጠረቤዛ ቀሪቦም ጉዳያቶም ክፈትሑ፡ እቲ ውሳነ ድማ ብኣፍሪቃዊ ሕብረት ክምእከል ንደልዮ ዘሎና “ ኢለን::

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::



XS
SM
MD
LG