ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ግብረ መልሲ ዝተፈላለዩ ወገናት ኣብ ጉዳይ ምውጻእ አባላት ሕ/ሃ ካብ ኢትዮጵያ


ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ንሸውዓተ ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት ካብታ ሃገር ክወጹ ንዝወሰኖ ስጕምቲ ብትሪ ነቒፎምን እቲ ውሳነ ክስረዝ ጸዊዖምን። ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ጣልቃ ኣትዮም ብዝብል ክሲ ካብታ ሃገር ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ክወጹ ትማሊ ዝተሓበሩ ዳይረክተር ትካል ትምህርቲ፡ ስነ-ፍልጠን ባህሊን ሕቡራት ሃገራት (ዩኔስኮ)ን ሓላፊ ምውህሃሃድ ሰብኣዊ ሓገዛት ሕቡራት ሃገራት (ኦቻ)ን ኣብ ኢትዮጵያ ይርከቡዎም። እቲ ውሳነ ጽባሕ’ቲ ሓተሓባባሪ ኦቻ ማርቲን ግሪፍስ ሰብ-ሰርሖ ጥሜት ኣብታ ሃገር ይርአ ኣሎ ኢሉ ድሕሪ ምግላጹ’ዩ።

ካብ ቤት ጽሕፈት ኣንቶኒ ብሊንከን ዝወጸ ናይ ጽሑፍ መግለጺ፡ እቲ ውሳነ ነቲ ዝካይድ ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዛት ጻዕሪ ድሕሪት ዝመልስን ንስቓይ ሰለማዊ ህዝቢ ዘጋድድን ክብል ገሊጹዎ።

ብ17 መስከረም ብፕረዚደንት ባይደን ዝሓለፈ ትእዛዝ ዝጠቐሰ መግለጺ ብሊንከን፡ ቤት ጽሕፈቶም ዘድሊ ስጕምቲ ካብ ምውሳድ ከም ዘይቍጠብ ጠቒሱ ኣሎ። ብተመሳሳሊ’ውን ኵላቶም ዓለምለኸ ትካላት፡ ነቲ ዝተወስደ ስጕምቲ ጸቕጢ ንምግባር፡ ተመሳሳሊ ስጕምቲ ክወስዱ ጸዊዑ። ኣብ መወዳእታ ብሊንከን መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ዓለምለኸ ትካላትን ኣካላት ሕቡራት ሃገራትን ተሓባቢሩ ነቲ ዘሎ ሽግር ኢትዮጵያ ኣብ ምቅላል ክሰርሑን ንሰብኣዊ ሓገዝ ዘይተገደበ ኣፍደገ ክኸፍቱን ጸዊዖም።

ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ትማሊ ተሪር መግለጺ ከም ዘውጽአ ዝዝከር ኰይኑ፡ ትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት (ዩኒሴፍ)’ውን ነቲ ተግባር ኣዝዩ ኣሕዛኒ ክብሎ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ንሱሳ ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ንድሕነት ህጻናት ከም ዝሰርሐ ዘመልከተ መግለጺ ዩኒሴፍ፡ ሕጂ ኵነታት ህጻናት ኢትዮጵያ ኣብ ኣዝዩ ተኣፋፊ ኵነታት ኣብ ዘለወሉ እዋን እቲ ስጕምቲ ምውሳዱ ከም ዘሕዘኖን፡ ብመትከሉ ድማ ካብ ጸግዒ ምውሳድ ዝተቖጠበን ዘይሻራዊ ኣካል ምዃኑን ደጊሙ ኣስሚሩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ንትግራይ ዘመሓድር ዘሎ መንግስቲ ምዃኑ ዝገልጽ ብፈደራላዊ መንግስቲ ግን ካብ መዝነቱ ዝተኣልየ ኣካል፡ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ነቲ ተግባር ኣትሪሩ ብምዅናን ኣካል’ቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ሓገዝ ንኸይበጽሕ ክግበሮ ዝጸንሐ ናይ 11 ኣዋርሕ ተግባር’ዩ ክብል ገሊጹዎ። “ብዝገብሮ ዘሎ ሰፊሕ ፕሮፓጋንዳ፡ ንሰብኣዊ ሓገዝ ንዘይምብጻሕ’ውን ማዕረ ገበን ገይሩ ይጕስጕስ ኣሎ፡” ንዝበሎ ተግባራት ፈደራል መንግስቲ ድማ “ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ጣልቃ ንዘይምእታው ብዝብል ምስምስ ኣብ ልዕሊ ዜጋታቱ ከቢድ ገበናት” ይፍጽም ኣሎ ክብል ከሲሱ። ኣብ መወዳእታ ድማ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ቅልጡፍ ስጕምቲ ወሲዱ ንዝርአ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላ መፍትሒ ከናዲ ጸዊዑ።

XS
SM
MD
LG