ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ግብረ መልሲ ዝተፈላለዩ ክልላት ናብ ክልል ትግራይ ዝተፈጥረ ኩነታት


ምኽትል ርእሰ ምምሕዳር ደቡብ ኢትዮጵያ ኣቶ ርስቱ ይርዳው ህወሓት ኣነ እንተዘይመሪሐ ሃገር ክትፈርስ ኣለዋ ብዝብል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ክፍጽም ድሕሪ ምጽናሕ፥ ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝፈጸሙ መጥቃዕቲ ካብ ስነልቦናን ሞራልን ኢትዮጵያ ዝወጸ እኩይ ተግባር'ዩ ኢሉ ። ንሱ ኣስዒቡ ኢትዮጵያ ሓድነታ ተሓልዩ ክቕጽልን ሰባት በሰላም ወፊሮም ክኣትዉን፡ ብዝለዓለ ትኹረት ክንሰርሕ ኢና ኢሉ።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሲዳማ ኣቶ ደስታ ሌዳሞ ብወገኑ፥ ተስፋ ዝቖረጸ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ልዕሊ መዓስከር ሰራዊት ምክልኻል ዝፈጸሞ ኢ-ሰብኣዊ ተግባር ሃገር ንምፍራስ ዝግበር ግልጺ ፈተነ'ዩ ድሕሪ ምባል፥ ሰራዊት ምክልኻል ንልኡላውነት ሃገር ንምኽባር ብዘለዎ ሓላፍነት ነቲ መጥቃዕቲ ዝተኻየደሉ ከባብታት ብምቁጽፃር ነቲ ጽንፈኛ ጉጅለ ኣብ ናይ ምድምሳስ ስራሕ ይርከብ ኣሎ ኢሉ ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ' መንግስቲ የለን እናበሉ ካብ ሕጊ ወጻኢ ኣብ ዝኾነ ተግባራት ክንቀሳቐሱ ዝጸንሑ 37 ውልቀ ሰባት ሒዘ ክብል ኮሚሽን ፖሊስ"ቲ ኽልል ኣፍሊጡ።

ኮሚሽነር ፖሊስ ዓብደልዓዚዝ መሓመድ 30 ካብኣቶም ኣባላት ሕወሓትን ሰብ ሃብትን ክኾኑ ኸለዉ 7 ድማ ኣባላት ኦነግ ሸነ'ዮም ኢሉ ።

ገለ ነበርቲ ንቪኦኤ ኣብ ዝሃብዎ ሓበረታ ድማ ተጋሩ ስለዝኾና ጥራሕ ንእሰርን ንከላበትን ኣለና ኢሎም።

ብተመሳሳሊ ኩነታት ኣብ ክልል ጋምቤላ'ውን ብሄር ምስ ብሄር ንምግጫው ሸርሒ ዝፍጽሙ ዝነበሩ'ዮም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ 19 ውልቀ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅጽር ከምዝወዓሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ድሕነትን ስለያን ኣፍሊጡ።

XS
SM
MD
LG