ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ግብረ መልሲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራን ንቃለ-መጠይቕ ህ/ርክባት ሚንስትሪ ጥዕና ኤርትራ


ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ነቲ ብህዝባዊ ርክባት ሚንስትሪ ጥዕና ኤርትራ ኣቶ ታጀዲን ዓብደልዓዚዝ ብዕለት 12 ሰነ 2019 ምስ ወኪል ራድዮ ድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ኣስመራ ብርሃነ በርሀ ኣብ ዘካየዶ ቃለመጠይቕ “መስርሕ ምርኽኻብ ምሕደራ’ምበር፣ ዝኾነ ናይ ምዕጻው ስጉምቲ፣ ኣብ ልዕሊ ኣገልገልቲ ወይ ሰራሕተኛታት ዝተገብረ ምፍርራሕ የልቦን” ዚብል ዝሃቦ መግለጺ ግጉይ ሓበሬታ’ዩ ክትብል ምላሽ ሂባትሉ’ላ።

ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ኣብቲ ኣብዚ ሳልስቲ ዘውጽኣቶ መግለፂ፡ “ኣብዚ ቕንያት’ዚ ብናይ መንግስቲ ኤርትራ ውሳኔ፣ ኣብ መላእ ኤርትራ ዚሰርሓ ዝነበራ ልዕሊ 22 ዝኾና ናይ ሕክምና ማእከላት ምዕጻወን ብወገን ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ተቓውሞ ቐሪቡ ግን ዝተዋህቦ ግቡእን ብቑዕን መንግስታዊ ምላሽ የልቦን። እንተኾነ ግን ንናይ መራኸቢ ብዙሃን ሃልኪ ዝተዋህበ ሓድሓደ ግጉይ ሓበሬታ፣ ርሑቕን ቀረባን ንዘሎ ዘጋጊ ግጉይን መስሓትን ስለዝኾነ፣ ነቲ ደላይ ሓቂ ከነብረሃሉ ንደልይ” ድሕሪ ምባል “ኣብ ንቡርን ልሙድን ኣሰራርሓ “ምምሕልላፍ / ምርኽኻብ” ማለት እንታይ ከምዝኾነ ፍሉጥ እዩ። ብዘይ ዝኾነ ይኹን ዘተን ልዝብን፣ ማለት ንዝምልከቶ ላዕለዎት ሰበስልጣንን ወናኒ ትካልን ከየፍለጥካ፣ ሓሳቡን መደቡን ከይተገንዘብካ፣ በይናዊ ብዝኾነ ኣገባብ ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣብ ስራሕ ዘሎ ኣካል ውሳኔ ምሕላፍን ናብ ተግባር ምስግጋርን ደኣ ምስ ምንታይ ኪቝጸር እዩ? ዝኾነ ይኹን ዘረክብን ዚርከብን ዘመሓላልፍን ሰብ፣ ናይ ትእዛዝን ናይ መረኻኽብን ሰነድ ብዘይብሉ፣ ናይ በዓል ስልጣን ናይ ለኣኺኻን መሰነይታ ዘይብሉዶ ይግበር እዩ? እዚ ደኣ ምስ ምንታይ ኪቕጸር እዩ?”ክብል ብምሕታት “ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፣ እቲ ተግባር ብዅሉ ኣገባቡ ልዕሊ ምህጋር’ውን እዩ” ኢሉ’ሎ። ኣብኡ ንዘገልግሉ ኣባላት ምፍርራሕን ከምኡ ዝዓይነቱ ቃላትን’ውን ነይሩ እዩ፤ እቶም እዚ ዘጋጠሞምን ብዓይኖም ዝረኣይዎምን ሰባት ኪምስክሩ ይኽእሉ እዮም ክብል እቲ መግለጺ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ሓቢሩ’ሎ።

ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት “ንእምነት ኣይተንከፍናን” “መሰል እምነት” “ብሕጊ ሕሉውን ውሑስን እዩ” “ጉዳይ እምነት ኣይተተንከፈን” “ኤርትራ ዓለማዊ መስመር እትኽተል ሃገር’ያ” “መንግስትን ሃይማኖታዊ ስርዓትን፣ ፖለቲካን ሃይማኖትን ዝተፈላለየ እዩ” ይበሃል፡ ግን “ንብጻይካ ኣፍቅር ጽቡቕ ግበረሉ” ዚብል ናይ እምነትና ትእዛዝ ንምፍጻም ንእንገብሮ ምንቅስቓስ ዚዓግተና ዘበለ ኵሉ፡ መሰረታዊ መሰል ናጽነትን መሰል እምነትን ምትንካፍ እዩ። እቶም እዚ ሰናይ ግብሪ ዚድልዮም ኸኣ ሓገዝ ናይ ምርካብ መሰሎም ይትንከፍ፣ ጽቡቕ ነገር ናይ ምርካብ መሰሎም ይግፈፍ ማለት’ዩ” ኢሉ’ሎ።

እቲ መግለፂ ኣብ መወዳእታ “ንኣገልገልቲ ቤተክርስትያን ዘይፈጸምዎ ገበን ከሸክምን፣ ስሞም ከጸልምን ዝዓለመ ናይ ምንዋር ተግባር’ውን ተሓዊስዎ’ሎ፣ ድሕሪ ምባል ሓደ ብሽሙ ዝጠቀሶ ጋዜጠኛ መሠረት ዘይብሉ፣ ምንጪ ዘይጠቐሰሉ ሓበሬታ ዘርጊሑ’ሎ። ኣብ ናጻ ዝኾነ ዓለም እናነበረ ነቲ “ዘረባ ክልተ ከይሰማዕካ ኣይትፍረድ” ዚብል መምርሒ ዘይምኽታሉ እቲ ዝተበገሰሉ ዕላማ እንታይ ምዃኑ ዚእምትን፣ ንተኣማንነቱ ኣብ ሕቶ ዜውድቕን እዩ ክብል መግለፂ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ሓቢሩ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG