ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ግብረ መልሲ ኤርትራ ንእገዳ ቪዛ ኣሜሪካ


ኤርትራ ብሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ዝወጸ ናይ ቪዛ እገዳ ከምዘሕዘና ኣፍሊጣ። እቲ ብሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዝተዋህበ ግብረ-መልሲ፡ ነቲ ምስ ኩነታት ክልል ትግራይ ብዝተሓሓዝ ብሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣvሪካ ዝወጸ ኣብ ልዕሊ ሰበ-ስልጣን ኤርትራ ናይ ቪዛ እገዳ ዘንብር መግለጺ ዝምልከት ኮይኑ፡ ቋንቋን ትሕዝትኡን ዘሕዝን ክብል ገሊጽዎ`ሎ።

እቲ መግለጺ ኣተሓሒዙ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተፈጥረ ቅልውላው ተሓታቲ እቲ ሕጂ ካብ ጠቕሚ ወጻኢ ኮይኑ ዘሎ ህወሓት ኣብ ወርሒ ሕዳር 3,2020 ዘበገሶ ሓደገኛ ወተሃደራዊ ዕንደራ`ዩ ኢሉ። ህወሓት ዘበገሶ ወተሃደራዊ ውዲት ናብ ኢትዮጵያ ጥራይ ዝተሓጽረ ዘይኮነስ- እንተላይ ንኤርትራ`ውን ዕላማ ዝገበረ ኔሩ ዝበለ መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ- እቲ ሓሲብዎ ዝነበረ ውዲት እንተዝዕወት ኣብ ኢትዮጵያ:ኤርትራን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዘስዕቦ ሓደጋ ንምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን ኢሉ። እቲ መግለጺ ወሲኹ እቲ ሓቂ እዚ ኮይኑ እናሃለወ ናብ ኤርትራ ኣጻብዕ ምቕሳር ግን ብዝኾነ ይኹን መለክዒ ምኽንዩን ቅብሉን ኣይኮነን ይብል ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣብ መወዳእታ ፡ እቲ ብኣሜሪካ ዝወጸ እገዳ ቪዛ፡ እንታይ ጽልዋ ይህልዎ ብዘየገድስ፡ እቲ መግለጺ ንባዕሉ ግን ሕጋውነት ኮነ ዞባዊ ሰላምን ጸጥታን ዘምጽእ ኣይኮነን ኢሉ`ሎ።

XS
SM
MD
LG