ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ግብረ መልሲ አባል ፈጻሚ ስራሕ ህውሓት ንኮሚሽነር ፖሊስ ክልል ኣምሓራ


 ኣባል ፈፃሚ ስራሕ ህወሓት ኣይተ ጌታቸው ረዳ
ኣባል ፈፃሚ ስራሕ ህወሓት ኣይተ ጌታቸው ረዳ

ኣብ ክልል ኣምሓራ ንገለ ኣባላት ማሕበረሰብ ቅማንት ወታሃደራዊ ስልጠና ብምሃብ ህወሓት ነቲ ከባቢ ይርብሾ ኣሎ ብምባል ኣብዚ ሰሙን ንድምጺ ኣሜሪካ ዝተዛረቡ ኮምሽነር ፖሊስ እቲ ክልል ኣበረ ኣዳሙ ጠሚቱ ሎሚ ረቡዕ ምላሽ ዝሃቡ ኣባል ፈፃሚ ስራሕ ህወሓት ኣይተ ጌታቸው ረዳ ውድቦም ከምኡ ዓይነት ስራሕ ከምዘይፈፀመ እቶም ፖሊስ ኮምሽነር ሓዊሱ ኩሉ ይፈልጥ እዩ ኢሎም::

ኣመራርሓ ፀጥታ ክልል ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ህፃናትን ደቂ ኣንስትዮን መጥቃዕቲ ንምብፃሕ ኣብ ዝገብርዎ ምንቅስቓስ ካብ ተጠቃዕቲ ወገን ግብረ መልሲ እንትወሃቦም ኩሉ ግዜ ዝዛረብዎ እዩ ብምባል ድማ ተዛሪቦም::

ንሶም ብተወሳኺ ሕጋዊ ሕቶ ህዝቢ ቅማንት ድማ ንድግፎ ኢና ኢሎም::

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ግብረ መልሲ አባል ፈጻሚ ስራሕ ህውሓት ንኮሚሽነር ፖሊስ ክልል ኣምሓራ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:09 0:00


XS
SM
MD
LG