ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ግብረ መልሲ ሰልፊታት ንውሳነ ሰልፊ ብልጽግና ንፍታሕ ክልል ትግራይ


ጉባኤ ሰልፊ ብልጽግና ኣብ ኣዲስ ኣበባ
ጉባኤ ሰልፊ ብልጽግና ኣብ ኣዲስ ኣበባ

ሰልፊ ብልጽግና ናይ ክልል ትግራይ ጉዳይ ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ዘሕለፎ ውሳነ ከምዝድግፉ ዝገለጹ ተወዳደርቲ ሰልፊታት ኣብ ግብራውነቱን መስርሕን ግን ሕቶ ከምዘለዎም ገሊፆም።

ናብ ኵናት ዝተኣተወሉ ኣገባብ ጌጋ ምንባሩ ዝገለፁ ኣቦ መንበር ኦፌኮ ፕሮፌሰር መረራ ጉዲና ሕጂ እውን ሰላማዊ ፍታሕ ብትኹረት ክስርሓሉ ይግባእ ኢሎም።

ፕሮፌሰር መረራ ወሲኾም ንናይታ ሃገር መንግስቲ ኣብ ምምራሕ ዝርከብ ሰልፊ ብልፅግና ንናይ ካልኦት ሓሳብ ንምቕባል ድልው ብዘይምዃኑ ኣብታ ሃገር ንዝተፈጥረ ቅልውላው ሓደ ምኽኒያት እዩ ኢሎም ።

ምኽትል ኣቦ መንበር ሰልፊ ዓረና ኣቶ ጎይትኦም ፀጋይ ድማ እቲ ውሳነ ብቅልጡፍ ክትግበር ብምሕታት ኣብ ግብራዊነቱ ጥርጣረ ከምዘለዎም ሓቢሮም።

ሓላፊ ውዳባዊ ጉዳያት ኢዜማ ኣቶ ዋሲሁን ተስፋየ ድማ ንናይ ብልፅግና ውሳነ እንተደገፉ እውን ውፅኢት ናይቲ ኵናት ከይተፈልጠ ተወሲዱ ዝበሉዎ መርገፂ ከምዘይቕበሉዎ ተዛሪቦም።

ሰልፊ ብልፅግና ኣብ ዘካየዶ ፈላማይ ጉባኤኡ "ህዝቢ ትግራይ ይኸፍሎ ኣሎ’’ዝበሎ "ዘይግቡእ ዋጋ’’ ንምትራፍ ኩሎም አማራጺታት ሰላም ንምፍታሽ ምስምምዑ ኣፍሊጡ ኣሎ።ኣብዚ ጉዳይ ካብ ብልፅግና ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ዝተኻየደ ፈተነ ኣይተዓወተን።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣተሓባባሪ ዝምድናታት ወጻኢ መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣቶ ዮሃንስ ኣብርሃ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ብድምጺ ኣመሪካ መደብ ቋንቋ ትግርኛ ኣብ ዝተሓተቱሉ፡ ጀማሪ እቲ ኲናት ባዕሉ ፈደራል መንግስቲ’ዩ ድሕሪ ምባል፡ ሓይልታት ትግራይ ድማ ንሰላም ዘለዎ ድሉውነት ካብቲ ዝሓዞ ቦታታት ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ብምልቃቕ ከም ዘመስከረ ኣመልኪቶም፡ ሕጂ’ውን ክልል ትግራይ ነባሪ ሰላም ንምምጻእ ድሉው ምዃኑን ጠቒሶም።

XS
SM
MD
LG