ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ግብረ መልሲ ምሁራትን ፖለቲከኛታት ንመደረ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ


ሎም ቅነ ኣብ ክልላት ኦሮሚያ፣ሃረሪን ከተማ ድሬዳዋን 86 ሰባት ዝተቐትልሉ ግጭታት ስዒቡ እቲ ጉዳይ ንምህዳእ መንግስቲ ብዝለዓለ ጥበብ ይስራሕ ከምዘሎ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ትማሊ ሰንበት ንህዝቢ ኢትዮጵያ ብቴሌቪዥን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚንስትር ኣብ መደርኦም ጠቐምቲ ነጥብታት ምጥቓሶም ዝሓበሩ ምሁራንን ፖለቲከኛታትን ሕጋዊ ስጉምቲ ኣብ ምውሳድ ግን ንፁር ኣንፈት ኣይተቐመጠን ኢሎም ኣለው።

ብርክት ዝበሉ ጉዳያት ንዝዳህሰሰ መደረ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ዝተኸታተሉ ተንተንትን ፖለቲከኛታትን ዝተፈላለየ ርእይቶታት ሂቦም ኣለው።

ኣቦ መንበር ኢዜማ ኣቶ የሺዋስ ኣሰፋ ንተሓተቲ ግብራዊ ስጉምቲ ክውሰድ እንተኾይኑ ብግልፂ ኣይተቐመጠን ኢሎም ።

ከምዚ ዝበለ ኣበሃህላን ፍፃመን ንመጀመሪያ ግዜ ኣይኮነን ዝተሰምዐ ዝበሉ ኣቶ የሺዋስ ቅድሚ ሎሚ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ዝተፈፀሙ ተግባራት መንግስቲ መምሃሪ ዝኾኑ ስጉምትታት ብዘምይውሳዱ እዩ ኢሎም።መንግስቲ ደኺሙ እዩ ዝብል ገምጋም የብልናን፤እዚ ዝኸውን ዘሎ ብዝለዓለ ትዕግስቲ ዘይኮነስ ብዝለዓለ ሸለልትነት መንግስቲ ስለዝኾነ ኣብ ልዕሊ ኣንፃር ሃገር ደው ዝበሉ ከም ንሃገር ምኽዳዕ ክውሰድ ኣለዎ ኢሎም።

“ምስ ሃይማኖት ዝተኣሳሰሩ፣ምስ ብሄር ዝተኣሳሰሩ፣ታሪኽ እናጠቐሱ ከፍርሱ ዝኽእሉ ምንቅስቓሳት ክርአዩ ከለው እዚ ትዕግስቲ እዩ ኢልና ክንወስዶ የፀግመልና።ልዕሊ ዓቐን ትዕግስቲ እዩ፤እዚ ድማ ብናትና ገምጋም ንሶም ከምዝበሉዎ ተወሳኺ ምፍሳስ ደም ዘወግድ ዘይኮነስ እንታይ ገደሸኒ ዝብል ዘንግስን ምፍሳስ ደም ዘስዕብን እዩ።”

እቶም ቀዳማይ ሚንስትር ብሓፈሻ ጠቓሚ ዝበሃል መደረ ምግባሮም ዝገለፁ ናይ ማሕበራዊ ጥዕና ኣማኻሪን ተንታኒ ፖለቲካን ዶ/ር ኤርሲዶ ሌንዴቦ ጎዲሉ ዝብሉዎ ከምዚ ብምባል ይገልፁዎ።

“ምምዝባል ብኣሽሓትን ሚሊዮንን ዝቑጸሩ ሰባት፣ብዓሰርተታት ኣማኢት ሰባት ምሟት ዝምልከት ገለልተኛ ኣካል ተጣይሹ፣ብሰብ ሞያ ብዝግባእ ተፈቲሹ፣ተመርሚሩ ዓብዪ ሰነድ ተዳሊዩ ዘጥፍኡ ዝቕፅዕሉ፣እታ ሃገር፣ኣካላት ፍትሒ ከምኡ እውን ዜጋታት ዝምሃርሉ ክኸውን ኣለዎ።”

እቲ ጉዳይ ካብ ተራ ገበን ንላዕሊ ስለዝኾነን ዳግም ንዘይምፍጣሩ ርግፀኛ ምዃን ስለዘይክኣልን እቲ ፓርላማ ናይ ባዕሉ ዘፃሪ ኮሚሽን ኣጣይሹ ከፃሪዮን ዜጋታት ክፈልጡን ክገብር ነይሩዎ ኢሎም።እቲ ዝተፈጥረ ክስተት ድማ ግጭት ዘይኮነስ መጥቓዕቲ ተባሂሉ ክግለፅ እውን ሓቢሮም።

እቲ መደረ ፅቡቕ ምዃኑ ዝገለፁ ናይ ማሕበራዊ ሳይንስ ተመራማሪን ናይ ፖለቲካ ተንታኒን ዶ/ር ብርሃኑ ሌንጂሶ ድማ እቶም ቀዳማይ ሚንስትር ስጉምቲ ከምዝውሰድ ብግልፂ ኣይተቐመጠን ምስ ዝብል ርእይቶ ኣይሰማምዑን።ቀዳማይ ሚንስትር ብዙሕ ግዜ ኣብ ሓሳብ ትኹረት ይገብሩ፣ፈታዊ ሰላም ንዴሞክራሲን ዝወገነ መራሒ ዝብሃሉ እዮም ኢሎም።

“ትማሊ ግን መንግስቲ ፍፁም ሓይልን ዓቕምን ከምዘለዎ፣ስጉምቲ ክወስድ ከምዝኽእል፣ሕጊ ንዝጥሓሱ ናብ ሕጊ ምቕራብ ከምዝኽእል ግልፂ መርገፂ ዘርኣዩሉ እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ።”

ብሰንኪ እቲ ህውክት ዝተቐትሉ ብብሄር፣ብሃይማኖትን ብፆታን ከፋፊሎም ምቕራቦ ኣድላዩ ኣይነበረን ዝበሉ ዶ/ር ኤርሲዶ ሌንዴቦ፤ምኽንያቱ ብብዙሕ መንገዲ ተተርጒሙ ካልእ ፀገም ከምፅእ ስለዝኽእል ኢሎም።

ኣቦ መንበር ኢዜማ ኣቶ የሺዋስ ኣሰፋ ግን ናይቶም ዝተቐትሉ መንነት ብከምዚ ምቕራቡ ግቡእ እዩ ይብሉ።ኣብዛ ሃገር ጸገም እንተድኣ ተላዒሉ ንዝኾነ ይኹን ብሄር ይኹን ሃይማኖት ኣይፈልን ዝብል መልእኽቲ ንምሕላፍ ስለዝፈተኑ ዶ/ር ኣብይ ድማ ብኢትዮጵያዊ ስምዒቶምን ጭውነቶምን ዓለም ዝመስከረሎም ስለዝኾኑ ብኻልእ ክትርጎም የብሉን ኢሎም።

ዶ/ር ብርሃኑ ሌንጆሶ ብወገኖም እቲ ፀገም ምስአጋጠመ ኩሉ ኣነ እየ ተጎዲአ፣ኣነ እየ ዝተጠቓዕኹ ዝብል ጌጋ ምዃኑ ዘርኢ ኣብክንድኡ በዚ ህውከት ዝተጎድአ ኩሉ ዓይነት ብሄርን ሃይማኖትን ምዃኑ ንምሕባር ስለዝኾነ በከምዚ ምቕራቡ ትኽክል እዩ ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ግብረ መልሲ ምሁራትን ፖለቲከኛታት ንመደረ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:15 0:00


XS
SM
MD
LG