ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ግብረመልሲ ዝተፈላለዩ ወገናት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኢትዮዮጵያ ንዘጋጠመ ግጭትን ህውከትን


ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ሎሚ ቕነ ኣብታ ሃገር ዝተራእየ ህውከት ኣመልኪቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ እቲ ዘጋጠመ ጥፍኣት ኣሽንኳይ’ዶ ክትርኦ ክትሰምዖ’ዃ ዘስካሕክሕ እኩይ ተግባር ኣብ ልዕሊ ወገናትና ተፈጺሙ ክብሉ ብምግላጽ ተሓተቲ ናብ ፍርዲ ብምቅራብ ግቡኦም ንኽረክቡ ብዘይውልውል ክንሰርሕ ኢና ኢሎም።

ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ኣሜሪካ ኤምባሲ’ውን በቲ ፍጻመ ከምዝጎሃየ ገሊጹ’ሎ።

ብካልእ ዜና ዝኾነ ሕቶን ቅሬታን እንተሃልዩ ተቃውሞ ብዝሰልጠነ መንገዲ ብዘይገለ ጥፍኣት ሕጊ ተኸቲልካ ምቅራብ ባህልና ንግበር ክብሉ ሊቃ ጳጳሳት ዘካቶሊካዊያንን አካቢ ኮሚሽን ዕርቀ ሰላም ኢትዮጵያ ካርዲናን ብርሃነየሱስ ሱራፊኤል ጸዊዖም።

ኣብ ዋዕላ ሩስያ ኣፍሪቃ ድሕሪ ምስታፍ ናብ ኢትዮጵያ ዝተመልሱ ቀዳማይ ሚንስት ኣብይ ኣሕመድ ድሕሪ ምምላሶም ኣብ ዘውጽእዎ ና ጽሑፍ መግለጺ ሎሚ ቅነ ዝተፈጸመ ኣዝዩ ዘሕዝን ግጭት ኣብ ልዕሊ ዜጋታትናን ንብረቶምን ዝወረደ ኹሉ ሓዘነይ እገልጽ ድሕሪ ምባል ዘጋጠመና ፈተና ኢትዮጵያዊያን እንተዘይተሓባቢርና ሓደ ኾይና እንተዘይቆምና መንገድና ኣዝዩ ኣጸጋሚን ዘፍርሕን ከምዝኸውን መርአያ’ዩ ኢሎም።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ፡ሚንስትሪ ምክልካል ለማ መርገሳን ምክትል ምምሕዳር ክልል ኦሮምያ ኣቶ ሽምለስ አብዲሳ ካብ ኩሉ ከባቢታት ክልል ኦሮምያ ምስ ዝተዋጽኡ አባገዳታትን መራሕቲ ሃይማኖትን ወከልቲ ሕብረተሰብን ብዛዕባ እዋናዊ ኩነታት ልዝብ አካይዶም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG